ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ዜጋታት'ታ ሃገር ሓዊሱ ዜጋታት 50 ሃገራት ካብ ሱዳን ኣብ ምውጻእ ትተሓጋገዝ ምህላዋ ሚ/ጉ/ወ ሓቢሩ


ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ካብ ሱዳን ኣብ ምውጻእ፡ ኢትዮጵያ ምሕጋዛ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ነዚ ጉዳይ ተባሂሉ ዝቖመ ሓይሊ ዕማም መንግስቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተዋፊሩ ይሰርሕ ምህላዉ፡ወሃቢ- ቓል'ቲ ሚንስትሪ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ'ሎ።

ብኻልእ ወገን፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ሱዳን ፍልልያቶም ብምርድዳእ ክፈትሑን ኣብ ኣገዳስነት ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ሱዳን ምምጻእ ብምትዃር ምዝርራቦም ኣብ ትዊተር ገጾም ሓቢሮም።

ኣምባሳደር መለስ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ መንጎ መንግስትን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ደሴት ዛንዚባር ዝካየደ ዘሎ ዝርርብ፡ ኣብ መስርሕ ኣሎ ካብ ምባል ሓሊፉ ዝሃቦ ዝርዝር የለን።

XS
SM
MD
LG