ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ዜጋታትና ኣባሪሮምና፤ሱዳን ተቐቢሎምና’ ናብ ሱዳን ካብ ዝሃደሙ ነበርቲ ምዕራብ ጎንደር


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ከባቢ መተማ ህውከት ተፈጢሩ፤ ህይወት ሰብ ጠፊኡ፤ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለው።ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይን ብሄረሰብ ቅማንትን ዘተኮረ መጥቓዕቲ እንተኾነ እውን እቲ ዝኸፍአ ግን ኣብ ልዕል ተጋሩ እዩ ይብሉ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ምዕራብ ጎንደር።ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ነቲ መጥቓዕቲ ብምኹናን ናይ ክልል ኣምሓራ ላዕለዎት ሓለፍቲ ውልቀ ሰባት ኩነታት ንክርበሽ ኣመራርሓ ዝሃቡ ስለ ዝኾኑ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ይግባእ ክብል ትርር ዝበለ መግለጺ ኣውፂኡ’ሎ።ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ሎሚ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ድማ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ብምሕባር ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊፁ’ሎ።

ብቕድሚ ትማሊ ሶሉስ ድሕሪ ስዓት ኣብ ከተማ መተማ መጥቓዕቲ ከምዝጀመረ ዝገለፀ ወናኒ ናይ መስተ ግሮሶሪ ብሃንደበት ብሰንኪ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ንህይወቱ ሃዲሙ ኣብ ወታደራዊ ካምፕ ከምዘዕቖበን ብፅባሒቱ ናብ ሱዳን ከምዝኣተወን ገሊፁ።ንብረቱ ከምዝተዘረፈን ከምዝተቓፀለን ሓቢሩ’ሎ።

ንብረቱ ከምዝተቓፀሎ ዝገለፀ ካልእ ወናኒ ሹቕ ኣብ ከተማ መተማ ዝተረፉ ኣባላት ስድርኡ ኣውፅኡና ይብሉኒ ኣለው፤መውፅኢ ግን የለን ኢሉ። "ዜጋታትና ኣባሪሮምና ሃገርና ዘይኮነት ሱዳን ድማ ብፅቡቕ ተቐቢሎምና’’ ክብል ገሊፁዎ።

መቃ ኣብዝብሃል ከባቢ ምዕራብ ጎንደር ነባሪ ዝኾኑን መሳርሕትና ኣስቴር ምስጋናው ዘዘራረበቶምን ኣቶ ሙሉጌታ እሸቱ ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ገበን ይፍጸም ኣሎ ይብሉ።

ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ መንነት መሰረት ዝገበረ ንተጋሩ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ዝተፈላለዩ ብሄረ-ሰባት መጥቓዕቲ ተፈፂሙ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ምብፃሕ ልሙድ ዜና ከምዝኾነ ይገልፅ። "ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ 2008 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ተጋሩ ዝበፅሐ ጉድኣት ከቢድን ብተደጋጋሚ ሕገ-መንግስታዊ ጥሕሰት እናተፈፀመን ይርከብ፡፡’’እቲ መግለፂ ብምቕጻል ሳላ ፃዕሪ በብከባቢኡ ዝርከብ ህዝቢ እምበር ዝኸፍአ ጉዱኣት ክበፅሕ ምኽኣለ ነይሩ ይብል።

ናብ ክልል ትግራይ ዝወስዱ መንገድታት መዕፃው ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት እናተቐረፁ ሰላምን ድሕነትን ህዝቢ ትግራይ ንምዝራብ ዘየቋርፅ ወፍሪ ቀፂሉ’ሎ ኢሉ ዝኸሰሰ መግለፂ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ናይዚ መቐፀልታ ዝኾነ ግፍዒ ኣብ መተማን ካልኦት ከባቢታትን ተፈፂሙ ይብል።

ክልል ትግራይ ኣብዞም ሽግር ዝተፈጥረሎም ከባቢታት ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝኾኑ ውልቀሰባት ክልል ኣምሓራ እቲ ዕግርግር ንክፍጠር ኣመራርሓ ስለዝሃቡ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ይግባእ ኢሉ’ሎ።ክልል ኣምሓራን ፌደራል መንግስትን ንሕገ መንግስቲ ይጥሕሱ ኣብ ልዕሊ ዘለው ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስዱ እውን ፀዊዑ’ሎ ።

ናይ ኣምሓራ ክልላዊ መንግስቲ ኣማሲዩ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ኣብ መተማን ሽንፋን ብዝተፈጥረ ግጭት ናይ ኣርባዕተ ሰባት ህይወት ምጥፍኡ ሓቢሩ’ሎ።ብሰንኪ እቲ ግጭት ጉድኣት ንዝወረዶም ከምዝሓዘነ ዝገለፀ እቲ መግለፂ እቲ ኣጋጣሚ ብምጥቃም እቲ ግጭት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብምምሳል ካብዚ ትርፊ ንምርካብ ዝግበር ፈተነ ፈረ ኣልቦ እዩ ክብል ጠቒሱዎ’ሎ።

ዛጊድ ዝወረደ ንብረት ዝተመዛበለን ህዝቢ ክንደይ ከምዝኾነ ዝተሓተቱ ሓላፊ ፖሊስ ኮሚሽን እቲ ክልል ኮሚሽነር ዘለኣለም ነዚ ዘፃሪ ጉጅለ ናብቲ ከባቢ ስለዝተልኣኸ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ዝተፃረየ ሓበሬታ ክነቕርብ ኢና ኢሎም።ነገራት ናብ ንቡር ምምላሶም እውን ሓቢሮም ኣለው።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙን ኣብ ወረዳ ቋራ ከተማ ጎለጎ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ምፍፃሙ ይዝከር።ቅድሚ ክልተ ዓመታት እውን ኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ ካብ መተማን ከባቢኡን ናብ ሱዳን ሃዲሞም ነይሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:13:51 0:00

XS
SM
MD
LG