ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓሰርተ ሓደ ኤርትራዊያን ነገድቲ ደቂ ሰባት ብፖሊስ ጣሊያን ጀርመንን ተኣሲሮም


ካብ ሰሜን ኣፍሪካ ናብ ኣውሮፓ ልዕሊ 20 ናይ ጀላቡ ጉዕዞታት ዘዋደዱ ኤርትራዊያን ነገድቲ ደቂ ሰባት ኣብ ጣሊያንን ጀርመንን ኣብዝተኻየደ ስርሒት ብፖሊስ ተኣሲሮም።ንስዱዳት ብዘይሕጋዊ ዘስግሩ ዓሰርተ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ጣሊያንን ጀርመንን ተታሒዞም ኣለው።ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ወሰን ማይ ሊቢያ 244 ዝግመቱ ሰባት ንዝቐተለ ሓደገኛ ጉዕዞ መሪሑ ዝተብሃለ ሰብ እውን ይርከቦም።ብመሰረት ጋዜጣ ዘ-ጋርዲያን።

ኣብቲ ስርሒት ዝተትሓዙ ኩሎም 11 ነገድቲ ደቂ ሰባት ኤርትራዊያን እንትኾኑ ካብቶም ዝመርሑ መዓሾ ተስፋማሪያም ዝተብሃለ ኣብ ጀርመን ኣብ ቁፅፅር ፖሊስ ዝወዓለ እዩ።

‘’እዚ ምስ ፖሊስ ጀርመንን ካልኦት ሰበስልጣንን ብምትሕብባር ብፖሊስ ጣሊያን ዝተኻየደ ኣዚዩ ኣገዳሲ ስርሒት እዩ፤ገለ ናይቲ መርበብ ተደለይቲ ሰባት ሒዝናዮም ኣለና’’ኢሎም ነቲ ጉዳይ ዝሓዝዎ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ጆቫኒ ሳልቪ።

ነቲ ጉዳይ ዝመርመረ ፖሊስ ካታኒያ ኣብ እዋን እቲ ስርሒት ሸሞንተ ህፃናት ዝርከቡዎም ትሽዓተ ሱማሊያዊያን ምርካቦም ገሊፁ’ሎ።ኣብ ወፃኢ ካብ ዝርከቡ ቤተሰቦን ኽፍሊት ክሳብ ዝበፅሐሎም በቶም ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ህንፃ ተቖሊፎም ዝነበሩ ግዳያት እዮም።

እቶም ናይ ካታኒያን መርመርቲ ትማሊ ረቡዕ ከምዝሓበርዎ እቶም ኣስገርቲ ደቂ ሰባት ኣብ መንጎ ጣሊያን፣ሊቢያ፣ኤርትራን ካልኦት ሃገራት ሰሜን ኣፍሪካን ከምዝንቀሳቐሱ ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG