ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ጋዜጠኛ እስክንድ ነጋ ፔን ኣሜሪካ ብዝተብሃለ ሓደ ናይ ፀሓፍቲ ትካል ተሸሊሙ።
ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣብ ኒው ዮርክ ኣብዝተዳለወ ስነስርዓት ተረኺባ ኣብ ክንዲ እስክንድ ነጋ ብምዃን ነቲ ሽልማት ዝተቐበለት ብዓልቲ ቤቱ ጋዜጠኛ ሰርካለም ፋሲል እያ።እስክንድ ነጋ ንግብረ ሽበራ ሓጊዝካ ብዝብሉ ክስታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሩ ይርከብ።
ኢትዮጵያ ኣብ 2011 ኣ/ፈ ብዘውፅአቶ ሕጊ ፀረ ግብረ-ሽበራ 200 ናብዝፅግዑ ጋዜጠኛታት፡ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ኣባላት ተቓወምቲ ጉጅለታትን ከምዝኣሰረት ኣሶሼትድ ፕሬስ ሓቢሩ።ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል CPJ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓሰረተ ዓመታት ካብ ዝኾነት ይኹን ሃገር ንላዕሊ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ዝሃደምዋ ሃገር ኢሉዋ’ሎ።
ፕሬዝዳንት ፔን ኣሜሪካ ዝኾኑ ፒተር ጋድዊን እስክንድ ሓደ ካብቶም ተባዓትን ንኡዳትን ፀሓፍቲ እዩ ክብሉ ፀዊዖምዎ።እቲ ትካል ካብ ዝምስረት 1987 ኣ/ፈ ጀሚሩ ን46 ፀሓፍቲ ሸሊሙ’ሎ።