ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተመራመርቲ ብዛዕባ ኣብ ኣውሮጳ ኣጋጢሙ ዘሎ ብርቱዕ ዋዒ እንታይ ይብሉ?


ተመራመርቲ ብዛዕባ ኣብ ኣውሮጳ ኣጋጢሙ ዘሎ ብርቱዕ ዋዒ እንታይ ይብሉ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:02 0:00

ተመራመርቲ ብዛዕባ ኣብ ኣውሮጳ ኣጋጢሙ ዘሎ ብርቱዕ ዋዒ እንታይ ይብሉ?

ኣብ ዙርያ ዓለም ዝረኣ ዘሎ ዋዒ ጽዑቅ: ተደጋጋሚን ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ዝጸንሕን እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። እቲ ኣብ ኣህጉር ኣውሮጳ ይራኣይ ዘሎ ግና፣ ፍልይ ዝበለን ከም ኣባሃህላ ተመራመርቲ ድማ "ንምርድኡ ዘጸግም እዩ" ይብሉ።

መበገሲ እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ንኣውሮጳ ዘጓነፋ መሸምበባ ዋዒ፣ ተደጋጊሙ ዘጋጠመ ብርቱዕ ዋዒ፣ ጠንቁ፣ ለውጢ ኩነታት ኣየር (ክሊማ) እዩ። ኣብ ዙርያ ዓለም’ውን ዝራኣይ ጸገም ኮይኑ ንረክቦ። ተመራመርቲ እቲ ኣብ ኣህጉር ኣውሮጳ ዝረኣ ዘሎ ዋዒ (ሙቀት)፣ ምሒር ዝበርተዐ እዩ ይብሉ።

ኣብ ፈረንሳ ቤተ ፈተነ መጽናዕቲ ኩነታት ኣየር ዝነጥፍ ራበርት ቮውተር ከምዚ ይብል፣"መሸምበባ ዋዒ ኣዝዩ ተደጋጋሚን ጽዑቅን ኮይኑ ኣሎ። እቲ ኣብ’ዚ ቀረባ ዘጋጠመ ሙቀት፣ መቀጸልታ ናይ’ቶም ብተደጋጋሚ ዘጋጠሙ ጸገማት ሙቀት እዩ።"

ንሱ ወሲኹ "መጽናዕትና ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ዋዒ ከጋጥም ከምዝኽእል ምርዳእ የኽእለና እዩ፣ ካብኡ ሰጊሩ ግና ነቲ ኣብ ኣውሮጳ ዘጋጠመ ብርቱዕ ሙቀት ኣቀዲምና ንክንፈልጥ ግና ኣይሕግዘናን" ይብል።

"እቲ ኣገባብና ኣቐዲሙ ክፈልጦ ዝኽእል ከምዚ ዝበለ ብርቱዕ ዋዒ ስለምንታይ ከምዘጋጥመና ክርዳኣና ኣይከኣለን።እዚ ኣገባብና፣ ኣብ’ዞም ዝሓለፉ 100 ዓመታት፣ ናይ 1.5-2 ዲግሪ ወሰኽ ዋዒ ኣቀዲሙ ንምፍላጥ ሓጊዙና እዩ። ወሰኽ 4 ዲግሪ ግና ክፈልጥ ኣይኽእልን።"

ተመራመርቲ መልሲ ንምርካብ ይጽዕሩ ኣለው። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣምስተርዳም ዝነጥፍ ዲም ኮሞ ብወገኑ "መንቀሊ እቲ ንኣውሮጳ ዘጥቀዐ ብርቱዕ ዋዒ፣ ማዕበል ኣየር እዩ" ይብል።

ክብ ኣብ ዝበለ ስፍራ ዝነፍስ ‘ጀት ስትሪም’ ይብልዎ፣ ንኩነተ ኣየር ኣውሮጳ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ገለ እዋን፣ እዚ ንፋስ’ዚ ኣብ ክልተ ይኽፈል። እዚ ኩነት’ዚ ተመሊሱ ንኩነታት ኣየር ኣውሮጳ፣ ሓዊ ክተፍእ ይገብሮ። ለውጢ ክሊማ፣ እዞም ኣብ ክልተ ዝምቀሉ ኣንፈታት፣ ተደጋጊሞም ንከጋጥሙ’ውን ጠንቂ ይኾኑ። ኮሞን መሳርሕቱን፣ እቲ ንምዕራብ ኣውሮጳ የጓንፎ ዘሎ ብርቱዕ ዋዒ ከመይ ከምዝመጽእ ንምትንታን ፈቲኖም እዮም፣ "እወ ‘ኩነተ ጀት ስትሪም’ ብሕልፊ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ኣውሮጳ ይውስኹ ከምዘለው ተዓዚብና ኣለና። ስለዚ፣ መንቀሊ’ቶም መሸምበባ ዋዒ ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ፣ እቶም ተደጋጊሞም ዝኽሰቱ ዘለው ‘ጀት ስትሪም’ እዮም።"

ደርቂ’ውን ጠንቂ ንኣውሮጳ ገጢሙዋ ዘሎ ማዕበል ዋዒ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ዙሪክ ዘላ ተመራማሪት ክሊማ ሶንያ ሰንሰቭራትናይ ‘ዝነቀጸ መሬት ማለት፣ ናብ ኣየር ዝበንን ሃፋየለን(ኢቫፖ ትራንስፓይረሽን) ማለት እዩ" ትብል።

"ኢቫፖ ትራንስፓይረሽን፣ መብዛሕትኡ ጊዜ፣ ብዙሕ ሓይሊ እዩ ዝጥቀም። እዚ ማለት፣ መሬት ስለዝደረቀ ኢቫፖ ትራንስፓይረሽን ክፍጸም እንተዘይ ኪኢሉ፣ እቲ ሓይሊ ንኩነታት ኣየር እዩ ዘርስኖ።"

ንሳ ወሲኻ፣ እቲ ሎም ዘበን ዘጋጠመ ደርቂ መበገሲኡ’ውን እዚ ክኸውን ይኽእል እዩ ትብል።

"ደረቅ መሬት፣ ነቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝተራኣየ መሸምበባ ዋዒ ጠንቂ ኮይኑ ከምዘሎ ንጹር ምልክት ኣሎ።"

ኣብ ኣየርላንድ ዩኒቨርስቲ ማዮንዝ ትመራመር ኪኢላ ፊዚክስ ሌቭክ ቄሳር ብወገና "ኣብ ውቅያኖሳት ዘጋጥም ኩነተ ኣየር’ውን መንቀሊ ዋዒ ክኸውን ከምዝኽእል ትእምት። ሰሜናዊ ክፋል ውቅያኖም ኣትላንቲክ ምዝሓል ስለዝጀመረ፣ ኣህጉር ኣውሮጳ’ውን ካብ ዋዒ ክትገላገል እያ፣ እንተኾነ፣ ነቲ ኣብ ኣውሮጳ ክረኣ ዝቀነየ ኩነታት ሙቀት መበገሲኡ፣ ኣብ ውቅያኖሳት ዝተኸሰተ ነገር ኣይኮነን" ትብል።

"ክፋል ሰሜናዊ ውቅያኖስ ኣትላንቲክ፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝሑል ኣይኮነን ዘሎ። ስለዚ፣ ነቲ ኣጓኒፉ ዘሎ ነገር፣ ኩነታት ውቅያኖስ ኣበርክቶ ገይሩ ኣሎ ንከይንብል ይሕግዘና እዩ።"

ተመራመርቲ፣ ሚስጥር ንኣህጉር ኣውሮጳ ዘጋጥማ ዘሎ ብርቱዕ ዋዒ ንምርዳእ፣ ተወሳኺ መጽናዕቲን ምርምርን ምክያድ ኣገዳሲ እዩ። ንጊዚኡ’ውን እንተኾነ ግና፣ ወርሓት ሰን፣ ሓምለን ነሓሰን፣ ንኣውሮጳ፣ ወርሓት ብርቱዕ ዋዒ ኮይኖም ክቅጽሉ እዮም ይብሉ።

ተመራማሪ ቫውተር "ለንደን ክሳብ 40 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ተመዝጊቡላ ኣሎ። ሓደ ሰብ ከምዚ ከምዝኾነ ቅድሚ ዕስራ ዓመት እንተዝነግረኒ፣ ንክኣምኖ ምተጸገምኩ ነይረ' ይብል። ካብ’ኡ ተበጊሱ ኣውሮጳዊያን፣ ኣብ’ዚ ካብ በጻሕናስ፣ ንቀጻሊ ዓመታት እምባኣር ክሳብ 50 ዲግሪ ሴንትግሬድ ዋዒ ተጸበዩ ብምባል የዳልዎም።

XS
SM
MD
LG