ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቢንያም ግርማይ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ዙር ኣውስትራሊያ ሳልሳይ ወጺኡ


ቢንያም ግርማይ - ፋይል
ቢንያም ግርማይ - ፋይል

ምስ ጋንታ ኢንተርማሽ ዝወዳደር ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሎሚ ኣብ ዝጀመረ ቱር ዳውን ኣንደር (Tour Down Under) ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ኣውስትራሊያ ሳልሳይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ሰሉስ ቀዳማይ መድረኽ ኣስውስትራሊያዊ ሳም ወልስፍሮድ ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ምስ ጋንታ ባሕሬን ቪክቶሪዮስ ዝወዳደር ፊል ባውስ ድማ ካልኣይ ኰይኑ ዛዚሙ። ንቢንያም ግርማይ ተኸቲሉ ድማ ካሌብ ኢወን ራብዓይ ተርታ ተሰሪዑ ኣሎ።

ዓባይ ጉጅለ ኣብ መወዳእታ ሕንጻጽ ንኣስታት 50 ሜትሮ ኣብ ዝተኻየደ ቅጽበታዊ ውድድር ቢንያም ካብቶም ሰለስተ ዕዉታት ኰይኑ ኣብ ፈላማይ ውድድር ናብ መድረኽ ዕዉታት ደዪቡ'ሎ።

ን144 ኪሎ-ሜተር ርሕቀት ዝሸፈነ ቀዳማይ መድረኽ እዚ ውድድር፡ ንሽዱሽተ መድረኻት ዝቕጽል’ዩ። እዚ ሰንበት 21 ጥሪ ዝዛዘም ውድድር ብድምሩ 824.6 ኪሎሜተር ክሽፍን’ዩ።

ብመዕቀኒ ዓለማዊ ኮሚተ ብሽክለታ (UCI) ኣብ ዎርልድ-ቱር ዝምዘን እዚ ውድድር፡ ዓቢ ኣቓልቦ ዝወሃቦ’ዩ።

ብቐዳም ኣብ ዝተኻየደ መዳለዊ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ቅድድም፡ ምስ ጋንታ ሊድል-ትረክ ዝወዳደር ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ካልኣይ ኰይኑ ውድድሩ ምዝዛሙ’ውን ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG