ካብ ዝተፈላለያ ክፍለግዝኣታት ዩናይትድ ስቴትስ ዝመፁ ኤርትራዊያን ኣብዚ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስን ካፒቶልን ሰልፊ የካይዱ ኣለው።ዕላማ እቲ ሰልፊ ኤርትራዊያን ሓዊሱ ኣብ ባሕሪ ሜድርታኒያን ዝጠልቑ ንዘለው ኣፍሪካዊያን ኣውያቶም ንምስማዕ፣ኣብ ሊቢያ ብኣሸበርቲ ይፍፀም ዘሎ ማሕረዲ ሰባት ንምቅዋምን ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስድተኛታት ይፍፅሞ ዝበሉዎ ግፍዒ ጠጠው ክብል ንምፅዋዕን ምዃኑ ኣዳለውቲ እቲ ሰልፊ ሓቢሮም ኣለው።ጠንቂ ስደት ዝበሉዎ መንግስቲ ኤርትራ ክሕተት ንምፅዋዕን ናይ ሕቡራት መንግስታት መርማሪ ኮሚሽን ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘውፅኦ ፀብፅብ ንምድጋፍን ምዃኑ ወሲኾም ሓቢሮም።ዝርዝሩ የድምፁ።