ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊያን ንሓረስታይ ትግራይ ኣስታት 48 ሽሕ ዶላር ኣኪቦም


ወ/ሮ ሙሉ ኃይሉ

ካብ ዴንቨር ኮሎራዶ፣ ዩናይትድ ስቴትስ ኣሜሪካ እስጢፋኖስ ኣርኣያ ‘ኣብ ትግራይ ዝወረደ ዕስለ ኣንበጣ፣ ድራር ዕለቱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ እናጠፍአ ምስ ራኣና ናብ ተግባር ተበጊስና’ ይብል። እስጢፋኖስ ወሲኹ ‘ሓረስታይ ትግራይ ስደራ ቤትና እዩ፣ እቲ ህዝቢ ህዝቢና እዩ’ ኢሉ ይገልጾ።

ካብ ሰይንት ሉኢስ ሚዙሪ ዩናይትድ ስቴትስ ኣስፋሃ ገ/መድህን ብወገኑ ‘ምትእኽኻብ ገንዘብ ብክልተ ሰለስተ መገዲ ቀጺሉ ከምዘሎ፣ ሸቶና ንጊዚኡ 60 ሽሕ ዶላር ኮይኑ ኣሎ’ ይብል። ኮሚኒቲታት ትግራይን ኤርትራን ተራሓሒቁ ከምዝነበረ ዝሕባእ ኣይኮነ። እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንክትቀራረቡ ዝሓገዘኩም’ዶ ይመስለካ? ንዝብል ሕቶ ኣስፋሃ ክምልስ ከሎ ‘እቲ ህዝቢ ባዕሉ መልሲ ይህብ ኣሎ። ባዕሉ ህዝቢ እዩ ቀዲሙና ጸኒሑ፣ ጅምር ምስ ኣበልና ልዕሊ ትጽቢትና ገንዘብ ምትእኽኻብ ቀጺሉ’ ይብል።

ካብ ዴንማርክ ትእማር ሰለሞን ‘ኣዴታት ትግራይ ኣዴታትና እየን። ኣብ’ዚ መደብ ምትእኽኻብ ገንዘብ ክሳተፍ ምስተዓደምኩ ብሓጎስ እየ ተቀቢለዮ’ ኢላ። ካብ ስዊዘርላንድ የማነ ዮሃንስ ብወገኑ ዕላማ ምትእኽኻብ ገንዘብ ንሓረቶት ትግራይ ሰለስተ ዕላማታት ኣለዎ ይብል። ቀዳማይ፣ ህዝቢ ትግራይ ለዋህ ህዝቢ ኣዕቋቢናን ገባሪ ጽቡቅናን እዩ ኢለ እየ ዝኣምን ስለዚ ኣብ ጊዜ ጸገሙ ምሕጋዝ ይግበኦ እዩ ባሃላይ እየ፣ ካልኣይ፣ ንሕና ኤርትራ ከም ህዝቢን ሕ/ሰብን ናይ ምትሕግጋዝ ስልጡን ባህሊ ንምርኣይ የኽእለና። ስልሳይ፣ ብዝተፈላለየ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ህዝቢ ንዝላዓሉ ኣሉታዊ ነገራት ንምድምሳስ ስለዘሐገዝና እዩ’ ኢሉ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:10:12 0:00



XS
SM
MD
LG