ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ዊኒፔግ ካናዳን ጋዜጣ ፍሪ ፕሬስ'ታ ኸተማን ፡ 1ይ ክፋል


አብ ካናዳ ከተማ ዊኒፔግ ዝርከብ ማሕበረ-ሰብ ኤርትራውያን ፍሪ ፕረስ ዝተባህለ ጋዜጣ'ታ ኸተማ ነቲ ኮሚኒቲ ምስ ግብረ ሽበራ ዘተሓሕዝ ፅሑፍ አውፂኡ ብምባል ኣንፃር'ታ ጋዜጣ ንምቅዋም ትማሊ ሓሙስ 15 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም ኣብ አፍደገ ቤት ፅሕፈት'ቲ ጋዜጣ ወፂኦም ተቃውሞኦም ብሰልፊ ገሊፆም ኔሮም።

እቲ ዝወፀ ፅሑፍ ትኽኽል'ዩ ዝብሉ ኤርትራውያን ወገናት'ውን በቲ ኻልእ ወገን ኔሮም። ንኽልቲኦም ብሓደ ንምዝርራብ ፈቲና ነቶም ነቲ ፅሑፍ ዝተቃወሙ ንምቅራብ አይሰለጠናን።

ነቲ ፅሑፍ ካብ ዝደገፉ ሓደ ግን አቶ የውሃንስ አልማዝ ረኺብና አዘራሪብና'ለና።

አቶ ዮውሃንስ አልማዝ ኣብቲ ምስ ሬድቶ ድምፂ አሜርካ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ "እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዓለም ዝበለ ይበሎ ንህዝቡ ተረራይዝ ዝገብር ዘሎ ስለዝኾነ ተረርስቲ'ዩ፣ ንዕኡ ዝድግፍ ኸአ ተረርስቲ'ዩ" ኢሉ።

ንምሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG