ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኸተማ ኒዮርክ ሰንበትን ሰኑይን ዘተአናገደቶ ክልተ ተቃራኒ ፍፃመታት ኤርትራውያን


ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ከተማታት አሜሪካ ዝኾነትን ቀንዲ ቤት-ፅሕፈት ሕቡራት መንግስታት ዝርከባን ከተማ ኒዮርክ ትማሊ ሰንበትን ሎሚ ሰኑይን ካብ ዝተፈላለየ ክፍለ-ግዝኣታት ኣሜሪካን ካናዳን ብዝመፁ ኤርትራውያን ዝተኻየዱ ክልተ ተቃረንቲ ዝኾኑ ፍፃመታት አተኣናጊዳ'ላ።

ሰንበት 25-መስከረም ነቶም ናብ ዋዕላ ሕቡራት መንግስታት ዝመፁ ፕረዚደንት ኢሰያስ አፈወርቂ እንካዕ ብደሓን መፀእካ ዝብሉን ምስቶም ፕረዚደንት አኼባ ዘካየዱን ኤርትራውያን ክተተአናግድ ኸላ፣ ሎሚ ኸአ ነቶም ፕረዚደንት ዝተቃወሙን ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ መንግስቶም ማዕቀብ ኸፅንዕ ዝፀውዑን ኤርትራውያን ዘካየድዎ ተቃውሞ ሰልፊ አተኣናጊዳ'ላ።

ብዛዕባ'ቲ ምስቶም ፕረዚደንት ዝተኻየደ አኼባ ንሬድዮ ድምፂ አሜሪካ ቃለ-መጠይቅ ዝሃቡ አብ ምስላጥ'ቲ አኼባ ግደ ዝነበሮም ፍረወይኒ ተኸስተን ኢብራሂም ዓብደኑርን ካብ ቨርጅንያ መንፈስ'ቲ አኼባ ገሊፆም'ለው።

ነቲ ሎሚ ዝተኻየደ ፀረ-መንግስቲ ተቃውሞ ሰልፊ ብዝምልከት ኸአ ካብ መንጎ አተሓባበርቲ'ቲ ሰልፊ ዝኾነ አቶ ዛይድ ናብቲ ሰልፊ ካብ አይደሆ ዝመፀ አቶ ፅጋቡ አስመላሽን ካብ ዲሲ ኸኣ መንእሰይ ዋልታ ክፍለዝጊን ነቲ ሰልፊ ዘካየድሉ ምኽንያት ንሬድዮ ድምፂ አሜሪካ ገሊፆም'ለው።

ንኽልቲኦም ወገናት ዘዘራረበቶም ምንያ አፈወርቂ ሓደ ድሕሪ'ቲ ሓደ ጠሚራ አቅሪባቶ'ላ።

ንምስምዑ ናብ ምልክት ድምፂ ከድኩም ጠውቁ

XS
SM
MD
LG