ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ኢና ዘለና ይብሉ’ለው

A man fires his pistol into the air as he celebrates with other people in an army armored vehicle in Shahat, Libya, February 24, 2011
A man fires his pistol into the air as he celebrates with other people in an army armored vehicle in Shahat, Libya, February 24, 2011

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ኢና ዘለና፡ ክንወፅእን ክንአቱን አይከአልናን ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ሊብያ ዘለና ስደተኛታት ኤርትራ ይትረፍዶ ሕጂ እታ ሃገር ኣብ ዕግርግር ወዲቃስ ቅድሚኡ’ውን እንተኾነ ንግፋዕን ኩሉ ግዜ ሕማቅ አተሓሕዛን’ዩ ኣብ ልዕሌን ዝፍፀም ኔሩ ክብል ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ዝኾነ ርእሲ ተዛሪቡ። ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንኽሕግዘና ኩሉ ተገዳሲ ንኽደፍእ’ውን ንሓትት ኢሉ።

ኣብ ሮማ ጣልያን ንስደተኛታት ንዝተሓጋገዝ ማሕበር ሓበሻ መስራቲ ዝኾኑ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ መንግስቲ ጣልያን ዜጋታቱ ካብ ሊብያ ኸውፅእ እንከሎ ነቶም ስደተኛታት ኤርትራውያን ምስኦም’ ብሓባር ጌሩ ንኸውፅኦም ሓቲቶም ሕራይ ዝብል መልሲ ከም ዘረኸቡን ንኸውንነቱ'ውን ይፅዕሩ ከም ዘለው ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG