ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ፤ ስደተኛታት'ዶ ወይስ ነበርቲ?


ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ፤ ስደተኛታት'ዶ ወይስ ነበርቲ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:34 0:00

ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ፤ ስደተኛታት ወይስ ነበርቲ?

ኣብ ክልል ዓፋር ዝጸንሑን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣከቡን ብድምሩ 432 ኤርትራውያን ናብ ዓሰብ ከም ዝተሰጐጉ ካብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብቐረባ ዝከታተሉ ዘለዉ ሓበሬታ በጺሑና። እቶም ንውሕስነቶም ድምጾም ክቕረጽ ዘይመረጹ ናይ ቀረባ ሰብ-ጉዳይ እቶም ንዓሰብ ዝተሰጐጉ ኣብኡ ምእታዎም እኳ እንተ ኣረጋገጹ፡ ድሕሪኡ እንታይ ከም ዝሰዓበ ግን ሓበሬታ ከም ዘይብሎም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያን ካልእ ቦታታትን ብቐረባ እትከታተል ሜሮን እስቲፋኖስ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ መብርሂ ክትህበና ሓቲትናያ ኣሎና።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብቐዳም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ምስጓግ ናይቶም ኣስታት 200 ዝበሎም ዜጋታት ኤርትራ ከም ዘተሓሳሰቦ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብመሰረት ዓለምለኸ ስምምዓት፡ ሓተትቲ ዑቕባ ናብቲ ዝመጽእሉ ቦታ ምምላስ ጥሕሰት’ዩ ኢሉ። እቲ ኮሚሽን ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ብቐረባ ክከታተል ምዃኑ’ውን ኣዘኻኺሩ ኣሎ።

ኣገልግሎት ተመለስቲን ስደተኛታትን (RRS) ኢትዮጵያ ትማሊ ሰንበት ንመግለጺ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ካብቶም ዝተሰጐጉ ኤርትራውያን ዋላ ሓደ’ኳ ሓታትቲ ዑቕባ ወይ ድማ ስደተኛ ኣይነበሮምን፡" ኢሎም።

ብዛዕባ ዝተባህለ ምጕስቓልን ማእሰርቲን ኤርትራውያን ኣመልኪትና ግብረ-መልሲ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ንምስማዕ ዝገበርናዮ ፈተነ’ውን ኣይተዓወተን። ንኹነታት ኤርትራውያን ብሕልፊ ድማ ምስ መሰል ዑቕባን ካልእ ኣብ መተማ ዘጓንፎም ዘሎ ኣድልዎን ኣመልኪትና ብተደጋጋሚ ካብ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ምላሽ ንምርካብ ዝግበርናዮ ጻዕሪ ውጽኢት ኣይሃበን። ኣገልግሎት ተመለስቲን ስደተኛታትን ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ ዘለዎም ኣተሓሕዛ ሓቲትና’ውን ንጹር መልሲ ኣይሃቡን። ኣወንታዊ ምላሽ ምስ እንረክብ ከነስዕብ ምዃንና ንሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG