ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብትምህርታን ብውድድር ጉያን ትዕወት ዘላ መንእሰይ ሸዊት ተኸስተ ወልደትንሳይ፡ ጋሻ መደብ ኤርትራውያን ኣብ አሜሪካ


ጓል 16-ዓመት መንእሰይ ሸዊት ተኸስተ ወልደትንሳይ ኣብ ክፍለ-ግዝአት ኖርዝ ከረላይና ከተማ ኬሪ ተማሃሪት ካልአይ ብርኪ ቤት-ትምህርቲ"ያ። ንሳን ጋንታአን ናይታ ክፍለ-ግዝአት ሻምፕዮን ብምኻን ን2ይ ጊዜ ተዓዊታላ። ሸዊት ንትራክን ንሃገር ኣቃራፅን ትወዳደር'ላ።

ኣቦኣ ኣቶ ተኸስተ ወልደትንሳይ ንዓአን ንምዕባያ ሓፍታን ንበይኑ ዘዕበየ ውፍይ ኣቦ’ዩ። “ንኹሉ’ቲ ብርቱዕ ፃዕሩን ውፍዩነቱን ብሓቂ’የ ዘድንቆን ዘመስግኖን ምኽንያቱ ውድድር ወይ ልምምድ ኣብ ዝህልወኒ መፂኡ ኸርእየንን ክድግፈንን ዝከአሎ ከሉ’ዩ ዝገበር። ብጣዕሚ ዕጉስ’ዩ ክልተ ኣዋልድ ምዕባይ ቀሊል ከም ዘይኮነ እርዳአኒ’ዩ” ክትብል ሸዊት ተዘሪባ።

ሸዊት ብውድድር ጉያ ጥራይ ዘይኮነስ ብትምህርቲ'ውን ዝለዓለ ነጥቢ ተምፅእ ዘላ ዕውቲ መንእሰይ'ያ።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣሞ! ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ማእከላይ ኮሚተ ህወሓት ዝተኻየደ ለውጢ መሪሕነት

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG