ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዲስ ኣበባ፤ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራያውያን ስደተኛታት ይእሰሩ


ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን፡ ናይ መረዳእታ ሰነድ የብልኩምን ተባሂሎም ይእሰሩ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ብመሰረት ካብቶም ስደተኛታት ዝበፅሖ ሓበሬታ፡ ክትትል ምግባሩ ድሕሪ ምግላጽ በዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ከባብታት ኣዲስ ኣበባ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ተኣሲሮም ከምዘለዉ ኣረጋጊፀ ኣለኹ ይብል።

ካብ መንጎኦም ድማ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ብፖሊስ ዝተታሓዙ፣ ከይተኸሰሱ ንልዕሊ ዓሰርተ መዓልታት ዝተኣሰሩን፣ ጉዳዮም ንምርዳእ ናይ ቋንቋ ፀገም ዝገጠሞምን ከምዘለው እውን የመልክት።

ድሕሪ ዝተወሰነ ምፅራይ ዝተፈትሑ ብዙሓት ስደተኛታት ምህላዎም እውን እቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ`ሎ። እቲ ዝግበር ዘሎ ምእሳር ኤርትራውያን ስደተኛታት ጠጠው ክብል ድማ ፀዊዑ`ሎ። ብዛዕባ እቲ መግለፂ ንድምፂ ኣመሪካ መብርሂ ዝሃበ ሓላፊ ስራሕ`ቲ ኮሚሽን ኣቶ ሱራፍኤል ድንቃለም፡ ነቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዘቋረፆ ምዝገባን ምሕዳስ መለለዪ ካርድን ዳግም ንኽጅምሮ ፀዊዑ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG