ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ሳታቫንገር ነርወይ ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ነቶም ኣብ በረኻ ሲናን ሊብያን ዘለው ፍታሕ ክገብረሎም ዝፅውዕ ሰልፊ ኣካይዶም


ኣብ ከተማ ስታቫንገር (Stavanger) ነርወይ (Norway) ዝርከቡ ኤርትራዉያን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ሰልፈኛታት ናዚ ሰልፊ ዝገበርሉ ምኽንያት ክገልፁ ኸለው ፡ብምኽንያት እቶም ኣብ ምድረ-በዳ ሲና ግብጺ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተጨዉዮም ተሓይሮምን ብኻራ ዝሕረዱ ዘለዉ ብምዝካር ብምሕዛንን: ነቶም ኣብ ገምገም ሞት ኮይኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ንምድሓን: ንማሕበረ-ሰብ ዓለምን መንግስቲ ኖርወይን: ካልኦትን ክሕግዙና ዝኽእሉን ብሰላማዊ ሰልፊ ድምጽና ከነስምዕ ኢና ሰልፊ ወፂእና ኢሎም ::

ነቲ ሰልፊ ዘዋደዱ መንእሰያት ምኻኖም ዝገለፁ ደጀን ተኸስተን መሓመድ ያሲንን ዕላምኦም ንወከልቲ መንግስቲን ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ሰልፍታትን ሚድያን ብዛዕባ'ቲ ሽግር ንምግላፅን ቆላሕታ ረኺቡ ፍታሕ ክወሃቦ ንምግባር ምኻኑ ተዛሪቦም።

አሕዋትና'ዮም ዝሞቱን ዝሳቀዩን ዘለው ስለዚ ኣብ ካልእ ኩርናዓት ዓለም ዘለው ኤርትራውያን ነዚ ቁዱስ ሓሳብ እዚ ሲዒቦም ኣብ ዘዘለዉዎ ሰላማዊ ስለፊ ክገብሩ ንምሕፀን ክብሉ'ውን ፀዊዖም።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG