ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኖርወይ ከተማ ሳታቫንገር ኖርወይ ዝነብሩ ኤርትራውያን ነቶም ኣብ በረኻ ሲናን ሊብያን ዘለው ፍታሕ ክግበረሎ ዝሓትት ሰልፊ ኣካይዶም


ኣብ ከተማ ስታቫንገር (Stavanger) ነርወይ (Norway) ዝርከቡ ኤርትራዉያን: ብምኽንያት እቶም ኣብ ምድረበዳ ግብጺ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተጨዉዮም ተሓይሮምን ብኻራ ዝሕረዱ ዘለዉ ብምዝካር ብምሕዛንን: ነቶም ኣብ ገምገም ሞት ኮይኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ንምድሓን: ናብ መንግስቲ ኖርወይን: ናብ ካልኦት ክሕግዙና ይኽእሉ'ዮም ዝበልዎም ብሰላማዊ ሰልፊ ድምፆም አስሚዖም

እቲ ሰልፊ ብመንእሰያት ከምዝተዋደደ ዝገለፁ ደጀን ተኸስተን መሓመድ ያሲንን እቲ ሰልፊ ተቃዋሚን ደጋፊን ዝበሃል ከይፈላለየ ነቶም ኣብ ኣፍ ሞት ዘለው ንምድሓን ድምፅና ዘስማዕናሉ ኢና ኢሎም።

ዝሞቱ ዘለው ኣሕዋትና'ዮም ስለዚ ኣብ ካልእ ኩርናዓት ዓለም ዘለው ኤርትራውያን ነዚ ቁዱስ ሓሳብ እዚ ሲዒቦም ኣብ ዘዘለዉዎ ሰላማዊ ስለፊ ክገብሩ ንምሕፀን'ውን ክብሉ ተዛሪቦም።

XS
SM
MD
LG