ኤርትራዊያን ተቐማጦ ኣውሮፓ መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ ኤርትራ ንዘውፅኦ ሪፖርት ንምድጋፍን ዓፋኒ ንዝበሉዎ መንግስቲ ኤርትራ ንምቅዋምን ሎማዕንቲ ዓርቢ ጄኔቫ ኣብ ዝርከብ ፊት ንፊት ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ኣለው።ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ኤርትራዊያን ሎማዕንቲ ዓርቢ ሰልፊ ኣካይዶም።ትማሊ ሓሙሽ እውን ብተመሳሳሊ ኣብ እስራኤል ከተማ ቴልኣቪቭ ብኤርትራዊያን ሰልፊ ተኻይዱ’ሎ።ንኣዳለውቲ፣ንተሳተፍትን ናይ ቃል ምስክርነቶም ካብ ዝሃቡ ሓደን ኣዘራሪብናዮም ኣለና።ኣብዚ ኣድምፁ።