ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊያን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንውግእ ኣብ ትግራይ ብምኹናን ሰልፊ ኣካይዶም


ውዕሎ ኤርትራዊያን ኣብ ዲሲ
ውዕሎ ኤርትራዊያን ኣብ ዲሲ

ካብ ዝተፈላለያ ስቲታት US ዝመጹ ኤርትራዊያንን ፈተውቶምን ኣብ መእተዊ በሪ ሚኒስትሪ ወጻኢ ኣሜሪካ ረቡዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ዕላማ እቲ ሰልፊ ይብል ካብ ፐንስልቫንያ ከምዝመጸ ዝገለጸ ኢሳያስ ተወልደ፣ እቲ ዝራኣዮ ሰልፊ ጽቡቅ ከምዝረኸቦን፣ እቲ ናብ ሰልፊ ወጺኡ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፣ ነቲ ውጹእ ህዝቢ ትግራይ ደጊፉ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ኣብ ኤርትራ ክድገም ስለዘይንደልዮ፣ ኣባና ዝተራኣየ ሽግራት ኣብኣቶም ንሪኦ ስለዘለና ሕጂ ነዚ ክንኩንን ኢና ወጺና’ በለ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዝኣተወ ዘርኢ እንታይ ጭብጢ ኣለኩም ኮይኑ እቲ ሰራዊት ንክወጽእ ትጽውዑ ዘለኹም? ንዝብል ዝቀረበ ሕቶ ኢሳያስ ክምልስ ከሎ ‘መርተዖን ጭብጢታትን ንዓይ ከም መጠን ኢሳያስ፣ እቲ ጭብጢታት ዝብሎ እንታይ እዩ፣ ኣነ ዝፈልጦም ቤተሰብ፣ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኣትዮምን ይዋግኡ ከምዘለው ስለዝፈልጥ ካብ’ዚ ዝዓዝዝ መርተዖ ንዓይ የለን’ ክብል መለሰ።

ኣቶ ኣብራሃም በርሀ ዝተባሃለ ካልእ ኤርትራዊ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ብረቡዕ ዝተካየደ ስልፊ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ ‘ኣብ’ዚ ሰዓት’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሕድ ሕድ ጸገም ተፈጢሩ ኣሎ፣ ብመጀመርያ እቲ ኩነታት ንኢትዮጵያዊያን ዝምልከት ስለዝኾነ እቶም ኤርትራዊያን ኣብ’ዚ ኣትዮም ነቲ ኣብቲ ጉዳይ ዘይምልከቶ ጎረቤት ክጥቅኑ ኣይግበኦምን። ስለዚ እቲ ዘልዕልዎ ዘሎ ጉዳይ ጌጋን መሰረት ዘይብሉን እዩ’ ክብል መልሲ ሂቡ።

አብ’ቲ ናይ ረቡዕ ሰልፊ ‘ስቃይ ህዝቢ ትግራይ ስቃይ ህዝቢ ኤርትራ እዩ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብቅጽበት ይውጻእ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ’ውን ከምኡ ካብ ኤርትራ ይውጻእ ዝብሉን ካልኦትን’ ተቃሊሖም እዮም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:35 0:00


XS
SM
MD
LG