ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓመታዊ ፈስቲቫላት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰሜን ኣመሪካ ቀዳም ክዛዘም`ዩ


ዝሓለፈ ሰንበት ዝጀመረ ዓመታዊ ፈስቲቫላት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰሜን ኣመሪካ ፍርቂ ፍጻመ በጺሑ`ሎ- ቀዳም ክውዳእ`ዩ።

ኣብ`ቲ ኣብ ኣትላንታ ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫል ኤርትራውያን 24 ጋንታታት ትሕቲ ዕድመን 20 ናይ ዓበይቲ ጋንታታትን ዝተሳተፋ ክኾና ኸለዋ፡ ኣብ ቶሮንቶ ዝካየድ ዘሎ ፈደረሽን ስፖርት ኢትዮጵያውያን ሰሜን ኣመሪካ 31 ናይ ዓበይቲ ጋንታታት ይሳተፋ`ለዋ።

መላእ ኢትዮጵያውያን ማሕበር ስፖርት ቁጽሪ ሓደ ዝተባህለ ካልእ ናይ ኢትዮጵያውያን ስፖርታዊ ውድድር`ውን ኣብ ኣለክሳንደርያ ቨርጂንያ ይካየድ ኣሎ፡ ኣብ`ዚ ድማ 18 ጋንታታት ይሳተፋ`ለዋ።

ምስ ፕረሲደንት ፈደረሽን ስፖርት ኤርትራውያን ኣቶ ደስታ እምባየ ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕን፡ ኣዲሱ ኣበበ ካብ ቶሮንቶ ዝልኣኾ ጸብጻብን ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG