ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራውን ኢትዮዽያውን ከየንቲ ምእንተ ሰላም ዘሚሮም


ስሙያት ድምፃውያን ብርሃነ ተኽሉን ሓጎስ ገብረሂወትን “ንፃወት’ሞ ንተሓዋወስየ ፍቕሪ ክሕደስየ” ዘርእስታ ንፅል ዜማ ኣቕሪቦም ኣለዉ።

እቶም ከየንቲ ድሕሪ ናይ ልዕሊ 12 ዓማውቲ ምፍልላይ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ምስ ግርማይ ገብሩ ኣብ ዘካየድዎ ወግዒ “ክልቲኦም ህዝብታት ሰብ ዝዓደሎም ተይኮነስ ኣምላኽ ዝሃቦም ሕውነቶም ክመልስዎ ኣለዎም” ኢሎም ኣለዉ።

ድማፃዊ ብርሃነ ተኽሉ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮዽያ ምስ መፀ ኢትዮዽያውያን ከየንቲ ብፅቡቕ ከምዝተቐበልዎን በዚ ድማ ሕጉስ ምዃኑን ይገልፅ። “ዳርጋ ካብ ቀዳማይ ገዛኻ ናብ ካልኣይ ገዛኻ ምምፃእ እዩ’’ ብምባል ይዛረብ።

ድምፃዊ ሓጎስ ገብረሂወት ምስ ናይ ሞያ ማሓዝኡ ብኣካል ምርኻቡ ዓብይ ተስፋ ከምዝፈጠረሉ ይገልፅ። “ዝሓለፈ ሓሊፉ እዩ። ካብ ድሕረ ሐዚ ንሕና ሓላፍነት ኣለና። ኩልሻዕ እናተጋገኻ ኣይንበርን። ስለዚ ኣነን ብርሃነን ጥራሕ ተይኮንናስ እቲ ህዝቢ ፈተወ ፀልአ ባዕሉ ፅባሕ ከም ማዓርን ጠስምን ተተሓሒዙ ዝነብር ህዝቢ እዩ’’ ይብል።

“ከም መጠን ከየንቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝቢ ሓዊ ምጉህሃር ነገር ምብልላሕ ወላ ሓንቲ ጥቕሚ የብሉን። ድኽነት እምበር ልምዓትን ጥዕናን ኣየምፅእን’’ ይብል ድምፃዊ ብርሃነ ተኽሉ።

ድምፃውያን ብርሃነ ተኽሉን ሓጎስ ገብረሂወትን ኣብ ክልቲኦም ሃገራት ዝያዳ ብባህላዊ ፀወታ ስሙያት ከየንቲ ምዃኖም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG