ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን ስደተኛታት ዘጋጥሞም ዘሎ ፀገማት


ኣብ ዝሓለፈ 10-መዓልታት 12 ኤርትራውያን ብሱዳናውያን ሓለውቲ ዶብ ናብ ራሻይዳ አሕሊፎም ተዋሂቦም፡ ሰለስት ኸአ ካብ ጉልጅ ተጨውዮም በቶም ዝሓዝዎም ራሻይዳ ሰሰለስተ ሽሕ ዶላር ክኸፍሉ ከም ዝተሓተቱ ንጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝከታተል ዶ/ር የዕብዮ ወልደማርያም ገሊፁ።

ኣብ ከተማ ኒዮርክ ዝነብርን ሓደ ካብቶም ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝከታተሉን ዓለም-ለኸ ትኩረት ንኽረክብ ዝፅዕሩ ዘለውን ዝኾነን ነዚ ዝከታተል ትካል መስሪቱ ዝንቀሳቀስ ዘሎ ዶ/ር የዕብዮ ወልደማርያም ምስ ሬድዮ ድምፂ አሜሪካ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ'ዩ ነዚ ገሊፁ።

ዶ/ር የዕብዮ ከም ዝበሎ እቶም ሰለስት ኤርትራውያን ካብ ጉልጅ ተጨውዮም እቶም ዝተረፉ 12 ኸአ ናብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት ንምኻድ ብምሕላን ናብ ሱዳን ዶብ ኣብ ዝሰገርሉ እዋን ሱዳናውያን ሓለውት ዶብ ከም ዝሓዝዎምን ብድሕሪኡ ናብ ኢድ ራሻይዳ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎምን ገሊፁ።

እቶም ራሻይዳ ካብቶም ሱዳናውያን ሓለውቲ ዓዲግናኩም ኢና ስለዚ ሰሰለስተ ሽሕ ክፈሉ ናብ እስራእል ክንወስደኩ ከምዝበልዎምን፡ እቶም ኤርትራውያን ናብ እስራኤል ክንከይድ አይንሐለንና ናብ መዓስከር ስደተኛታት ንምኻድ'ዩ ድልየትና ወላ እንተበሉ'ዉን ገንዘብ ከይከፈልኩም አይንስደኩምን ብምባል ሒዞሞም ከም ዘለውን ናብ ሲና ንምውሳዶም ምቹእ ጊዜ ይፅበዩ'ለው ክብል'ውን ስግአቱ ገሊፁ።

ዶ/ር ይዕብዮን ክልኦት ግዱሳትን እቲ ጉዳይ ንኽፍለጥ ይፅዕሩ ከምዘለዉ'ውን ገሊፁ።

ካልእ ፍፃመ ኸአ 28 ኤርትራውያን መንግስቲ ሱዳን ሒዝዎም ድሕሪ ምፅናሕ ብዘይድልየቶም ናብ ኤርትራ ንምምላሶም ወሲኑ ናብ ከሰላ ከምዝተወስዱን ናብ ኤርትራ ክምለሱ ተጌሩ'ዩ ዝኸውን ክብል ዶ/ር ይዕብዮ ገሊፁ'ሎ።

ብኻልእ ወገን ናይ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ንጉዳይ ስደተኛታት ሚስተር አንቶንዮ ጉተራስ ናብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት ሸገረብ ከይዶም ከምዝበፅሑን ንፈለማ ጊዜ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍፀም ዘሎ መጭወይቲን ንናውቲ ኣካላቶም ንገንዘብ ተባሂሉ ይቅተሉ ከም ዘለው አፍልጦ ብምሃብ ከምዝተዛረቡን ነዚ ጠጠው ንምባል ዓለም -ለኸ ሓገዝ ከም ዝሓተቱን ተገሊፁ'ሎ።

ብኻልእ ወገን ድማ ዓሚ ካብ ህውከት ሊብያ ሃዲሞም ኣብ ማልታ ዝርከቡ ገለ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያን ስደተኛታት መንግስቲ ማልታ ከም ስደተኛታት ስለ ዘይተቀበለና አብ ፀገም ንርከብ ክብሉ ይማርሩ'ለው።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ።

XS
SM
MD
LG