ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ የመን ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ገና ኣብ ፀገም ኢና ዘለና ይብሉ'ለው


ኣብ የመን ዘሎ ኩነታት ገና አይተመሓየሸን ንዓና ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ከተማ ሰንዓ ዘሎ ዝኸፍአ'ዩ ክብሉ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ይገልፁ'ለው።

እቲ ኩነታት አይ ሰላም አይ ኹናት ዘሎ ዝበሉ'ቶም ሰደተኛታት መፍቶት ሰረቅቲ ኾንና'ለና፣ ገንዘብናን ሞባይል ቴሌፍናን ንምንዛዕን ብዝኾነ ሰብ ንግፋዕና'ሎ ኢሎም።

እቶም ኣስታት 3-ሽሕ ከም ዝኾኑ ዝገለፁ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ኣብዚ እዋን"ዚ ንደሕንነቶም ስለ ዝሰግኡ ኣብ ከተማ ሰንዓ ኣፍ-ደገ ቤት-ፅሕፈት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ፅርግያ ካብ ዝድቅሱ 20-መዓልታት ከም ዝኾኖም ተዛሪቦም።

እንተኾነ ዛጊድ ካብቲ ትካል ዝረኸብዎ ዘዕግብ ምላሽ ከምዘየለ ተዛሪቦም፣ ዓለም-አኸ ማሕበረሰብ ክሕግዘና ተጣበቁልና ክብሉ ተማሕፂኖም።

XS
SM
MD
LG