እታ ጀልባ 68- ሰባት ሓዛ ብ'25 መጋቢት ካብ ሊብያ ከምዝተበገሰትን ሓንሳብ ናይ ርዱእና መልእኽቲ ኣስሚዓ ድሕሪኡ ድሃያ ጠፊኡ ዝብል ሓበሬታ'ዩ ክሳብ ሎሚ ዝነበረና።
እታ ጀልባ ዳርጋ ኹሎም ኢትዮጵያውያን ዝኾኑ 72 ሰባት ሓዛ ከም ዝነበረት ሓደ ካብቶም ኣብ መወዳእትኡ ማዕበል ፀፊዑ ናብ ሓደ ክፍሊ ገምገም ባሕሪ ሊብያ ዘውፅኦምን ብህይወት ዝተረፍ 9 ሰባት ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ዮውሃንስ መዓሾ ወልደኪዳን ገሊፁ'ሎ።
ዮውሃንስ መዓሾ ወልደኪዳን ነቲ ዘጋጠሞም ዘባህህር ኩነት ን'ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ብዝርዝር ገሊፁ'ሎ።
ዮውሃንስ ኣብቲ ጉዕዘኦም ሄሊኮፕተራትን መራኽብን መፂኤን ርእያናና ርድኡና እንተበልና'ውን ረርእዮምና ከይዶም ክብል ብምረት ተዛሪቡ'ሎ።
ነቲ ናይ መጀመርያ ናይ ርድኡና መልእኽቲ ስልኪ ዝተቀበሉ ኣብ ሮማ ዝነብሩ ኣባ ሙሴ ብወገኖም ነቲ መልእኽቲ ምስ በፅሖም ንሓይሊ ባሕሪ ጣልያንን ኔትን ከም ዝሓበሩ ጠቂሶም ግን ክሳብ ሎሚ አይረኸብናዮምን'ዮም ዝብሉ ኔሮም ድሕሪ ምባል ነቲ ኩነታት'ቶም ስደተኛታት ርእያ ዝኸደ ሄሊኮፕተር ኮነ መርከብ ነቶም ኣብ ሓደጋ ሞት ንዝነበሩ ብዘይምሕጋዝ ኢሰብአዊ ገበንን'ዩ ስለዚ ብሕጊ ክንሓትት ኢና ኢሎም።