ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝርዝር ኣስማት ግዳያት'ታ ብ'22 መጋቢት ዝጠፍአት ጀልባ ንጉዳያት ወፃኢ ኤርትራ አረኪብና ይብል ኤምባሲ ኤርትራ


ኣብ ሊብያ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ሎሚ ን'ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ከምዝገለፆ ኣብታ ጀልባ ከምዝተሳፈሩ ካብ ዝፈልጡ ሰባትን አብ ባይታ ካብ ዝተረኸቡ ሬሳታት ዝተረኽበ ሰነዳትን ኣስማት ከምዝተአከበ ገሊፁ'ሎ።

ብመሰረት'ዚ ዝረኸቦ ዝርዝር ኣስማት'ቶም ኣብ ዝሓለፈ 22-መጋቢት ኣብ ማያት ሊብያ ከምዝሞቱ ዝተኣምነሎም ሰባት ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ተላኢኹ'ሎ ካብኡ ሓበሬታ ምውካስ ይኸአል'ዩ ኢሉ'ሎ።

እታ ጀልባ እንታይ'ዩ ኣጋጢምዋ ንዝብል ገና ምስ ፖሊስ'ታ ሃገር ኮይና ንምፅራይ ንሰርሕ'ለና ዝበለ'ቲ ብ ኤምባሲ መንፅር'ቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኩነታት ነዚ ንምፅራይ ብዝኸአለና ንፅዕር አለና ኢሉ'ሎ

ብተወሳኺ እቲ ዝተረኽበ ሬሳታት ኣብ ሓደ ዝፍለጥ ከባቢ ንኽቅበር ሓቲትና'ለና ኢሉ።

እዚ ኸምዚሉ'ኸሎ እዚ ኹሉ ጥፍአት እናረአዩ ገና ካልኦት'ውን ካብ ትሪፖሊ ብባሕሪ ንምኻድ ይብገሱ ከም ዘለው ይስማዕ'ሎሞ ካብ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ዘለዎ መንገዲ ናብ ጎረባብቲ ንኽኸዱ ንኩነታት ስደተኛታት ትከታተል ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ካብ ሎንደን ተማሕፂና'ላ።

ኤልሳ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃበቶ ቃለ-መጠይቅ ካብ ኣብ ኤርትራ ሽግራት መሪሩና ኢሎም ወፂኦም ኣብ ባሕሪ ክጠፍኡ ግቡእ አይኮነን ህይወት ክብርቲ ምኻና ፀገም ሓላፊ ምኻኑ ከነረደኦምን እቲ ዘሎ ሓበሬታ ክንነግሮም ይግባእ ክትብል ተላብያ።

XS
SM
MD
LG