ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዛጊድ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ብጀላቡ ናብ ጣልያን ኣትዮም


እቶም ኣብ ሊብያ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝኾኑ 1,500 ሰደተኛታት ብገንዘብ ብዘስግራ ጀላቡ ጌሮም ሰገሮም።

ካብዚአቶም እቶም 1,200 ዝኾኑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ምኻኖም ኣባ ሙሴ ዘርአይ መስራቲ ኤጀንሲያ ሓበሻ ንስደተኛታት ዝሕግዝ ማሕበር ካብ ሮማ ጣልያን ሓቢሮም።

እቶም ሰደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ናብ ዘስግር ውቅያኖስ ኣብ ዝአትውሉ ብሓገዝ'ቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሓይልታት ባሕሪ ጣልያን ከምኡ'ውን ሓይሊ ኔቶ ናብ ጣልያን ከምዝአተዉ ኣባ ሙሴ ዘርአይ ካብ ሮማ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ሓፂር ቃለ-መጠይቅ ገሊፆም።

ገለ'ውን ብሓገዝ ሓይልታት ባሕሪ ማልታ ናብ ማልታ ዝአተው ከም ዘለው ዝገለፁ ኣባ ሙሴ ግን ከአ ካብ ሊብያ 335 ሰባት አሳፊር ተበጊሳ'ያ ዝተባህለት ሓንቲ ጀልባን ካልእ 68 ሰባት ዝሓዘት ጀልባ ዛጊድ ደሃይ ከምዘይብለን ተዛሪቦም፡ ኣብ ቀረባ ኩነታትን ክፍለጥ ተስፈኦም ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG