ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብራ ስደተኛታት ደቂ-አንስትዮ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ካምፕ ሊብያ


እቶም ስደተኛታት አብቲ እቲ ብማሕበር ቀይሕ ወርሒ ዝካየድ ዘሎን ቅድም ኢሉ መንበሪ ሰራሕተኛታት ሓደ ኩባንያ ቱርኪ ዝነበረ ብቀፅሪ ዝተሓፅረ ኣብዚ እዋን'ዚ ከም ካምፕ ዘገልግል ዘሎ ቦታ'ዮም ዝርከቡ።

ኣብኡ ኮንካ ድምፂ ተኹሲ ካብ ምስማዕ ሓሊፍካ ኣብ ደገ እንታይ ይፍፀምን መን ይመፃካ ከም ዘሎ ክትፈልጠሉ ዘይትኽእለሉ ብምኻኑ ኩሉ ጊዜ ኣብ ስግአት ኢና ዘለና ክብላ ኣብኡ ዘለዋ ሓንቲ ኤርትራዊትን ሓንቲ ኢትዮጵያዊትን ሰደትኛታት ተዛሪበን።

ሳራን ነጃትን ከምዝበለኦ ኣብ ሓደ ገዛ 5-6 ነብሲ ከምዝነብራን ሰብኡተን ካብ ኣንስቶምን ደቆምን ተፈልዮም ንመዓልቲ ካብ ፍርቂ ስዓት ንዝወሓደ ጊዜ ጥራይ ንኽረአአዩ ከምዝፍቀደሎምን ገሊፀን።

ነፍሰ-ፆራት አለዋና ቆልዑ'ውን ይሓሙና ሕክምና'ውን አይርከብን'ዩ ዝበላን እተን ሰደተኛታት ንኹሉ ኣምላኽ'ኳ እንተኾነ ዝውድኦ ሰብ ናይ ሰብ ሓገዝ'ዉን ሰለዘድልዮ ርድኡና ክብላ ተማሕፂነን።

XS
SM
MD
LG