ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጣልያን ንምውፃእ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ትዘራረበሉ'ላ


ወኪል ኮሚሽን ስደተኛታት ጣልያን ብዛዕባ'ቶም ኣብ ሊብያ ዘለው ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ሶማልያውያንን ካብኡ ዝወፅሉ መንገዲ ምስ ፕረዚደንት ኮሚሽን ስደተኛታት ፓርላም ኤውሮጳ ኣብ ብራሰልስ ተዘራሪቦም'ለው ክብሉ ኣባ ሙሴ ዘርአይ ካብ ሮማ ጣልያን ገሊፆም።

ኣብ ሮማ ጣልያን ናይ ዝርከብ ትካል ረዴት ሓበሻ መስራቲ ዝኾኑ ኣባ ሙሴ ዘርአይ ከም ዝበልዎ እተን ፕረዚደንት ኣብ ልዕሊ'ቲ ጉዳይ ብመሰረተ ሓሳቡ ከም ዝሰማምዓ ገሊፀን፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ሰበ ስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ንምቅራብ ተሰማሚዔን'ለዋ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ በዓል ስልጣን ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ታስክ ፎርስ ደዊሎም ዝተመዝገቡ ሰባት 305 በፂሑ'ሎ፣ ኣብ ትሪፖሊ ኤምባሲ ሱዳን 160 ሰባት ተመዝጊቦም ክብሉ ገሊፆም። ኣብ'ዚ ሰዓት'ዚ ብዛዕባ ቀፃላይ ስጉምቲ ዘለና ንዘራረብ ዘለና ኢሎ።

ኣብ ወደብ ቤንጋዚ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ኣብኡ ዝርከቡ ወከልቲ ቀይሕ መስቀል ከም ዝመዝገብዎምን ዝርዝር'ቲ ኣስማት ንናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት ከነረክብ ኢና ከምዝበልዎም ተዛሪቦም'ለው።

ቤንጋዚ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ኢድ ተቃወምቲ ጋዳፊ'ያ ዘላ

እቶም ስደተኛታት ገለ ዘልዕለና እንተረኸብና ብምባል ንዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ወሰን ገምገም ባሕሪ'ታ ኸተማ ኣብ ደገ ይድቅሱ ከም ዘለው'ዮም ተዛሪቦም።

እቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኩነታት ካብ ትሕቲ ሳሃራ ንዝኾኑ ስደተኛታት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓዊሱ ገና ኣዝዩ ክፉእ ከም ዘሎ ይግለፅ'ሎ።

መንግስታት ንዜጋታተን ካብ ሊብያ ኣብ ዘውፅአሉ እዋን ነዞም ዘውፅእኦም ነፈርቲ ኾነ መራኽብ ዘይብሎም ሰደተኛታት ክሓስብኦም ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉተራስ ኣብ መጀመርታ'ዚ ሰሙን ተማሕፂኖም'ዮም።

እንተኾነ ዛጊድ ክወስድ'የ ኢላ ዝመፀት ሃገር ከምዘየላ ወሃቢት ቃል'ቲ ትካል ስቢላ ውልክስ ካብ ጄኔቫ ገሊጸን።

ወሃቢት ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ስቢላ ወልክስ ኣብዚ ሰሙን ንሬድዮ ድምፂ ኣሜርካ ከምዝበለኦ ብዙሓት ስደተኛታት ትሕቲ ሳሃራ አፍሪቃ ክአትውን ክወፁን ከምዘይከአሉን ከም ዕሱባት ወታሃደራት ተራእዮም መጥቃዕቲ ይወርዶም ከምዘሎ ገሊፆምልና 'ለው ኩነታቶም ነቃላሓሎም አለና ክብላ ገሊጸን'የን።

XS
SM
MD
LG