ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ገና ረዳኢ አይረኸብናን ይብሉ'ለው


ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ኩነታትና ካብ ዕለት ናብ ዕለት ይኽፍእ'ሎ ዛጊድ ኸአ ረዳኢ አይረኸብናን ክብሉ ተዛሪቦ።

ኣብ ቤንጋዚ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝርከብ ኸአ ናብ ግብፂ ክንወስደኩም ዝብል ኣማራፂ ትርጉም የብሉን ግብፂ ንባዕላ ኣብ ፀገም'ያ ዘላ ኢሎም።

ኣብ ቤንጋዚ ዘሎ ኩነታት ገና ንህይወትና ሓደገኛ'ዩ ክብሉ ኣብኡ ዘለው ስደተኛታት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ገሊፆም።

እቶም ገለ ዘልዕለና እንተረኸብና ብምባል ንዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ወሰን ገምገም ባሕሪ'ታ ኸተማ ኣብ ደገ ዝድቅሱ ዘለው ስደትኛታት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ካብኡ ኣብ ውሽጢ 2-መዓልታት ልቀቁ ተባሂልና ክብሉ'ውን ተዛሪቦም።

እቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኩነታት ካብ ትሕቲ ሳሃራ ንዝኾኑ ስደተኛታት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓዊሱ ገና ኣዝዩ ክፉእ ከም ዘሎ ይግለፅ'ሎ።

መንግስታት ንዜጋታተን ካብ ሊብያ ኣብ ዘውፅአሉ እዋን ነዞም ዘውፅእኦም ነፈርቲ ኾነ መራኽብ ዘይብሎም ሰደተኛታት ክሓስብኦም ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉተራስ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ተማሕፂኖም'ዮም።

እንተኾነ ዛጊድ ክወስድ'የ ኢላ ዝመፀት ሃገር ከምዘየላ ወሃቢት ቃል'ቲ ትካል ስቢላ ውልክስ ካብ ጄኔቫ ዝገልፃ።

ወሃቢት ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ስቢላ ወልክስ ከምዝበለኦ ብዙሓት ስደተኛታት ትሕቲ ሳሃራ አፍሪቃ ክአትውን ክወፁን ከምዘይከአሉን ከም ዕሱባት ወታሃደራት ተራእዮም መጥቃዕቲ ይወርዶም ከምዘሎ ገሊፆምልና 'ለው ኩነታቶም ነቃላሓሎም አለና ክብላ ክብላ ምግላፀን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG