ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ወደብ ቤንጋዚ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ካብኡ ኣብ ውሽጢ 2-መዓልታት ልቀቁ ተባሂልና ይብሉ


ኣብ ቤንጋዚ ዘሎ ኩነታት ገና ንህይወትና ሓደገኛ'ዩ ክብሉ ኣብኡ ዘለው ስደተኛታት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ገሊፆም።

እቶም ገለ ዘልዕለና እንተረኸብና ብምባል ንዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ወሰን ገምገም ባሕሪ'ታ ኸተማ ኣብ ደገ ዝድቅሱ ዘለው ስደትኛታት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ካብኡ ኣብ ውሽጢ 2-መዓልታት ልቀቁ ተባሂልና ክብሉ'ውን ተዛሪቦም።

እቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኩነታት ካብ ትሕቲ ሳሃራ ንዝኾኑ ስደተኛታት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓዊሱ ገና ኣዝዩ ክፉእ ከም ዘሎ ይግለፅ'ሎ።

መንግስታት ንዜጋታተን ካብ ሊብያ ኣብ ዘውፅአሉ እዋን ነዞም ዘውፅእኦም ነፈርቲ ኾነ መራኽብ ዘይብሎም ሰደተኛታት ክሓስብኦም ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉተራስ ትማሊ ተማሕፂኖም'ዮም።

እንተኾነ ዛጊድ ክወስድ'የ ኢላ ዝመፀት ሃገር ከምዘየላ ወሃቢት ቃል'ቲ ትካል ስቢላ ውልክስ ካብ ጄኔቫ ገሊጸን።

ወሃቢት ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ስቢላ ወልክስ ከምዝበለኦ ብዙሓት ስደተኛታት ትሕቲ ሳሃራ አፍሪቃ ክአትውን ክወፁን ከምዘይከአሉን ከም ዕሱባት ወታሃደራት ተራእዮም መጥቃዕቲ ይወርዶም ከምዘሎ ገሊፆምልና 'ለው ኩነታቶም ነቃላሓሎም አለና ክብላ ገሊጸን'የን።

XS
SM
MD
LG