ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ስደተኛታት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ካብ ሊብያ ኣብ ምውፃእ መንግስታት ክተሓባበራ ተማሕጺኖም

Soldiers and dozens of tanks from the Libyan military's elite Khamis Brigade, led by Gadhafi's youngest son Khamis Gadhafi, take positions and check vehicles after arriving hours earlier on the road in Harshan, 10km east of Zawiya, in Libya, Monday, Feb.

እቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኩነታት ካብ ትሕቲ ሳሃራ ንዝኾኑ ስደተኛታት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓዊሱ ኣዝዩ ክፉእ ምኻኑ ብምግላፅ መንግስታት ንዜጋታተን ካብ ሊብያ ኣብ ዘውፅአሉ እዋን ነዞም ዘውፅእኦም ነፈርቲ ኾነ መራኽብ ዘይብሎም ሰደተኛታት ክሓስብኦም ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉተራስ ተማሕፂኖም።

ወሃቢት ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ስቢላ ወልክስ ብወገነን ካብ ጄኔቫ ከምዝበለኦ ብዙሓት ስደተኛታት ትሕቲ ሳሃራ አፍሪቃ ክአትውን ክወፁን ከምዘይከአሉን ከም ዕሱባት ወታሃደራት ተራእዮም መጥቃዕቲ ይወርዶም ከምዘሎ ገሊፆምልና ኢለን፡ ኩነታቶም ነቃላሓሎም እለና ብምባል ንኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ጠቂሰን።

እዚ ኸምዚሉ ኸሎ ጣልያን ቆልዓ ሰበይቲ ዘለውዎም ስድራ-ቤታት ዝሓዙ 54-ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ከም ዘውፀኤት ኣባ ሙሴ ዘርአይ ካብ ሮማ ጣልያን ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG