ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነቶም ካብ ሃገር ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለው መንእሰያት ኣብ መንገዲ ዘሎ ሓደጋታት ምቅላሓን ሓበሬታ ምሃብን ሓላፍነት ኣለና- ዶ/ር ጋይም ክብረአብ


እቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ኩነታት ንብዙሓት መንእሰያት ስለዝመረሮም እቲ ሳዕቤን ናይቲ ኣብ ዓዲ ዘጋጥሞም ዘሎ ፀገማት'ውን ኣብ ስድራ-ቤታቶም ኣዝዩ መሪር ስለዝኾነ ንደገ ወፂእና ንስድራና ክንሕግዝ ንሕና'ውን ራህዋ ንረክብ ብምባል ይወፁ'ለው ክብል ዶ/ር ጋይም ክብረአብ ተዛሪቡ።

ግን ኣብ ዓዲ ፀገም ኣጋጢምዎም ኣብ መንገዲ ክሳብ ክንደይ ሓደጋ ከምዘሎ ስለዘይፈልጡ ክኾኑ ይኽእሉ ወይ ካብዚ ዝኸፍእ የለን ኢሎም ነቲ ስጉምቲ ይወስድዎ ደሓር ኣብ ሓደጋ ምስ ወደቁ ግን ኣብ ፈቀዳ በረኻ ክሳቀዩ ንርእዮም'ለና ክብል'ውን ወሲኹ።

ኣስዒቡ'ውን አይትውፅኡ ምባል ኣሸጋሪ'ዩ ግን'ቲ ክንገብሮ እንኽእል ብሓቂ'ቲ ሕልና ዘለዎ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ብዛዕባ'ቲ ዘሎ ሓደጋታት ምቅላሕን ሓበሬታ ምሃብን'ዩ ኢሉ።

ዶ/ር ጋይም ክብረአብ ኣብ ሎንደን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ወስት ባንክ ዩኒቨርስቲ ናይ ሶሻል ስታዲስ ፕሮፈሰር፡ ከምኡ'ውን ኣብ'ቲ ዩኒቨርስቲ ዲረክተር ክፍሊ መፅናዕቲ ስደተኛታት፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብዙሓት መፅናዕታዊ ፅሑፋት ዘበርከተን ብዛዕባ ፖሎቲካዊ መስርሕ ኤርትራ ብርክት ዝበሉ ምርምራዊ መፃሕፍቲ ዝፀሓፈን'ዩ።

ንሎሚ ቀዳማይ ክፍሊ ቀሪቡ'ሎ

XS
SM
MD
LG