ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደብ ኤርትራውያን ኣብ ኣሜሪካ - ኣብ ማይ ዓይኒ ንዝርከቡ ትሕተ-ዕድመ ቆልዑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓገዝ ዘተኣኻኽቡ ዘለው መንእሰያት


ናብቲ መዓስከር ስደተኛታት በፂሑ ዝተመለሰ ሰብ ሒዝዎ ኣብ ዝመፀ ቪድዮ ነቶም ቆልዑ ምስ ረአና ኢና ነዞም ብዘይ ወለዶም ዘለው ቆልዑ ንምሕጋዞም ተላዒልና ክብሉ ቶማስ ሰሎሞን ካብ ቨርጂንያ ኤፍሬም ካሕሳይ ካብ ሻርለት ኖርዝ ካሮላይና ገሊፆም።

መጀመርታ ሓሙሽተ መንእሰያት ኾንና ጀሚርናዮ ዝበሉ ቶማስን ኤፍሪምን ኣብዚ እዋን ትሽዓተ ሰባት አለና አለና ኢሎም። ካብ ቤተ-ሰብናን ኣዕርኹትናን ጀሚርና ገንዘብ ነተአኻኽብ አለና፡ ዛጊድ ካብ 10- ሽሕ ዶላር ቁሩብ ዝበዝሕ አኪብና'ለና፡ ዕላማና ኸአ 15- ሽሕ ዶላር ንምእካብ'ዩ ኢሎም።

መደቦም ኸአ በቲ ዝተአከብ ገንዘብ ነቶም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ንትምህርቶም ዝኸውን ናውቲ ዓዲጎም ንምልአኽ ምኻኑ ገሊፆም ነዚ ሓሳብና ዝቅበል በብዓቅሙ ክሕግዝ ንላቦ ኢሎም።

አተሓሒዞም እቲ ዝገብርዎ ዘለው ናይ ምሕጋዝ ስርስሕ ካብ ግብሪ ነፃ ዝኾነሉ አገባብ ተኸቲሎም ንመኽሰብ ዘይቆመ ትካል መሲሪቶም ይንቃሳቀሱ ከምዘለውን ነዚ ፍቃድ መንግስቲ ንምርካብ ይፅበዩ ከምዘለው ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG