ኣብ ሓደ ሰሚርና ኢና ዝበሉ "መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ቤይ ኤርያን ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ሰሜን አሜሪካን" ዝተባህላ ማሕበራት ምስ "መንእሰያት ህግደፍ" ኣብ ሓደ ዘሰማምዕ መርገፂ ንምብፃሕ ብአና ወገን ቅሩባት ኢና ክብሉ ገሊፆም።

እዘን ክልተ ማሕበራት መንእሰያት ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስን ልዑላዊነት ሕጊን ክረጋገፅ ክሰርሓ ፀኒሔን'የን ዝበሉ ናይቲ ሓድሽ ጥርናፈ ጊዝያዊ አቦ መንበርን ምኽትልን ኮይኖም ከምዘለዉ ዝገለፁ መንእሰያት ዳንኤል ተኽላይን ሰሎሞን ገብረየሱስን ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንኽመፅእ ክግበር አለዎ ዝበልዎ ሰለስተ ነጥብታት ዘርዚሮም'ለው።

አስዒቦም "እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ክፅገነሉ ኣብ ዘይኽእለሉ ብርኪ ስለዝበፅሐ ስልጣኑ ኸረክብ ጥራይ'ዩ ዘለዎ" ይብሉ።

መፃኢ ዕላማና'ውን ይብሉ ክልቲኦም አጋይሽ ነቲ ስቅ ኢሉ ዝዕዘብ ዘሎ ኣብዝሓ መንእሰይ ንምሕቃፍ'ዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ክፍሊ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ቀሪቡዩ፣ ሎሚ ኸአ 2ይ ክፍሊ ቀሪቡ'ሎ።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ