ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለም-ለኸ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ቨርጂንያ ናይ ክልተ መዓልታት ስምፖዝየም ኣቃኒዑ


ጉባኤ ዓለም-ለኸ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ
ጉባኤ ዓለም-ለኸ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ

ምስ ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ምንያ ኣፈወርቂ ቃለ-መጠይቕ ዘካየዱ ምኽትል ኣቦ-መንበር`ቲ ማሕበር ኣማኑኤል ብርሃነ ካብ ኣትላንታ፡ ኣቦመንበር ጨንፈር ዲሲ ድማ በረኸት ሃብተማርያም ካብ ቨርጂንያ`ዮም። ኣማንኤል ብዛዕባ`ቲ ስምፖዝየም ክገልጽ ኸሎ፡ ዕላምኡ ተምክሮታት ምልውዋጥ፡ እቲ ማሕበር ዝርከብሉ ኩነታት ምግምጋም፡ ናይ ክብሪ ዕዱማት ኣሳቲፍካ ተመክሮ ቀዳሞት ኣያታት ምቕሳም፡ ከምኡ ድማ ተሳልጦ ዘለኻ ኣላሊኻ ንህዝቢ እንታይ ሓበሬታ ተመሓላልፈሉ ዝብል ከምዝነበረ ገሊጹ።

ተራ ናይ መንእሰይ ብሓፈሻ ኣብቲ ናይ ሃገር ኩነታት ኣዚዩ ኣገዳሲ`ዩ ዝበለ በረኸት ብወገኑ፡ ህግደፍ`ውን ንዕኡ ስለዝፈለጠ`ዩ ኣብ ፈቲቫላት ሳዋን ካልእን ንመንእሰያት ኣእምሮኦም ከምዝድፈን ዝገብር ዘሎ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ንሕና ነቲ ሓቂ ጥራሕ ይፍለጥዎ በሃልቲ ኢና`ምበር ምስኦም ዝኾነ ይኹን ጸገም ይብልናን ኢሉ።

ኣማንኤል ብወገኑ፡ ምስቶም መንእሰያት ህግደፍ ብዙሕ ዘመሳስለና ነገር ኣሎ ፡ ሒደት ዘፈላልየና ነገር ድማ ኣሎ ድሕር ምባል፡ ክቱር ፍቕሪ ሃገር፡ ዶባት ሃገር ምሕላው፡ ንልዑላውነት ሃገር ጠጠው ምባል ኣብ ዝብል ተመሳሳሊ መርገጽ`ዩ ዘለና፡ ፍልልይና ንሕና ስለ ፍትሒ፡ ስለ መሰል`ውን ስለንጣበቕ `ዩ ኢሉ።

እቲ ካብ ነሓሰ 14-15 2010 ዝተኻየደ ስምፖዝየም፡ ብሙዚቃ ዝማዕረገን፡ ብዝሒ ደረፍቲ ዝተሳተፍዎን ከም ዝነበረ`ውን እቶም ኣባላት ዓለም-ለኸ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ሓቢሮም።

ንምሉእ ትሕዝቶ`ቲ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ቲ ምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG