ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደራሲት መፃሕፍቲ ትግርኛ ወ/ሮ ትዕበ ተወልደ


እቲ ኣብ ኤርትራ ኸለኹ ዝረአኽዎ ኩነታት’ቲ እዋን ፈፂመ ክርስዖ ስለዘይከአልኩ “ይርሳዕ ድዩ” ትብል ናይ መጀመርታ መፅሓፍ ፅሒፈ ትብል፡ ወ/ሮ ትዕበ ተወልደ

እቲ ኣብ ኤርትራ ኸለኹ ዝረአኽዎ ኩነታት’ቲ እዋን ፈፂመ ክርስዖ ስለዘይከአልኩ “ይርሳዕ ድዩ” ትብል ናይ መጀመርታ መፅሓፍ ፅሒፈ ትብል፡ ወ/ሮ ትዕበ ተወልደ

ወይዘሮ ትዕበ ተወልደ ኤርትራ ሓዲጋ ምስ ኣርባዕተ ደቃ ካብ አስመራ ዝወፀት ብ’1978 ዓ.ም እዩ ኔሩ። ድሕሪ ዳርጋ ክልት ዓመት ኸአ ኣሜሪካ ምስ ስድርአ አትያ። ኣሜሪካ ምስ አተወት’ውን ካልእ ሓምሸይቲ ቆልዓ ወሊዳ ከም ኹለን አዴታት ምስ ብዓል ቤታ ብምዃን ደቃ ብትምህርቲ ንኽዕወቱ እጃማ ፈጺማ’ያ።

ግን ንትዕበ ፍልይ ዘብላ ነገር፡ ሰለስተ መፃሕፍቲ ትግርኛ ደሪሳ አሕቲማ ናብ ኢድ ኣንበብቲ ንኽበፅሕ ምግባራ’ዩ። ወ/ሮ ትዕበ “እቲ ኣብ ኤርትራ ኸለኹ ዝረአኽዎ ኩነታት’ቲ እዋን ፈፂመ ክርስዖ ስለዘይከአልኩ ይፅሕፎ ነይረ” ድሕሪ ምባል “ይርሳዕ ድዩ” ትብል ናይ መጀመርታ መፅሓፋ ከምዝደረሰት ገሊፃ’ላ።

ንምሉእ መደብ ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ ንምስማዕ ኣብ ላዕላዋይ የማን ዘሎ ምልክት ድምጺ ጠውቑ

XS
SM
MD
LG