ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ "ገበናት ኲናት ፈጺሞም" ክብል ኣምንስቲ ከሲሱ


መሻርኽርቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ወታሃደራት ኤርትራ ድሕሪ ምፍራም ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ክልል ትግራይ ንኣዋርሕ ፆታዊ ዓመፅ፣ ንስቪላት ምቕታልን ጊልያ ምግባርን ዝርከብዎን ‘’ገበናት ኲናት ምናልባትን'ውን ገበናት ኣንጻር ሰብኣዊነት ክጽብጸቡ ዝኽእሉ፡" ገበናት ፈፂሞም ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሎሚ ሰሉስ 5 መስከረም 2023 ገሊፁ።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ናይ ወፃኢ ሓይልታት ካብቲ ከባቢ ክወፁ ይፅውዕ። ኤርትራ ግን ኣካል እቲ ስምምዕ ኣይኮነትን። ብመሰረት ነበርቲ ሕጂ እውን ወታሃደራታ ኣብ ከባቢታት እቲ ዶብ ምህላዎም ይገልጹ ኣለዉ።

ኣምነስቲ ኣብ ግንቦትን ሰነን ኣብ ማሪያም ሸዊቶን ኮኮብ ፅባሕን ን 49 ሰባት ቃለ መጠይቕ ገይሩ ንዝሃቡዎ ምስክርነት ብሳተላይት ምስ ዝርአ ስእሊ ከምኡ እውን ምስክርነት ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት ፣ሰብሞያ ሕክምናን መንግስታዊ ሰበስልጣንን ዝገለፁዎ ፀብፃብ ብምድጋፍ ነዚ ጸብጻብ ምውጽኡ ይገልጽ።

ኣብ ኣምነስቲ ዳይረክተር ምብራቕን ደቡባውን ኣፍሪቃ ቲገረ ቻጉታህ "ስምምዕ ምቁራፅ ውግእ እንተተፈረመ እውን ኣብ ክልል ትግራይ ብወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝፍፀሙ ግፍዕታት ቀፂሎም ኣለዉ። ደቂ ኣንስትዮ ፆታዊ ዓመፅ፡ ፆታዊ ባርነት ተፈፂሙወን ስቪላት ደቂ ተባዕቲዮ ድማ ብዘይፍርዲ ወይ ብሃበ ተረኽበ ተቐቲሎምን፡’’ ኢሉ።

ኣምንስቲ "ኣብዚ ፀብፃብ ዝተሰነዱ ከበድቲ መግሃስታት ማዕረ ገበናት ኲናትን ምናልባትን'ውን ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነት ክኾኑ ዝኽእሉን እዮም፡’’ ይብል።

ገለ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ናይ ኤርትራ ወታሃደራዊ ካምፕ ፆታዊ ዓመፅ ተፈፂሙወን ካልኦት ድማ ኣብ ናይ ባዕለን መንበሪ ኣባይተን መጥቓዕቲ ተፈፂሙወንን ተኣሲረንን እየን።

በይና ኮይና ሰለስተ ቆልዑ እተዕቢ ኣደ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ ከምዝተዓመፀትን ምስ ካልኦት 14 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ወታሃደራዊ ካምፕ ከምዝተትሓዘትን ንኣምነስቲ ተዛሪባ።

37 ዓመት ዝዕድሚኣ ካልእ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ውሽጢ ገዝኣ ንሰለስተ ወርሒ መመላእታ ከምዝተቐጥቀጠትን ፆታዊ ዓመፅ ከምዝተፈጸማን ገሊፃ።

‘’ኣእወኺ ኣየእወይኺ መፂኡ ዘድሕነኪ የለን ኢሎም ተዛሪቦምኒ መሊሶም ደፊሮምኒ’፡’ ኢላ።

ኣምነስቲ ምስ መጥቓዕቲ ዝተፈፀሞም፣ መሰኻኽር ዓይኒ፣ ንስድራ ግዳያትን ከባቢያዊ ሰበስልጣንን ዝተኻየደ ቃለ ምልልስ ብምጥቓስ ካብ ሕዳር 2022 ክሳብ ጥሪ 2023 ኣብ ዘሎ እዋን ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ሓዊሱ 24 ሲቪላት ከም ዝተቐትሉ ሰኒዱ ኣሎ።

ሰበስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ንመባእታዊ ውፅኢት ኣምነስቲ መልሲ ኣይሃቡን ከምዘይሃቡ'ውን ኣምንስቲ ይገልጽ። ክልቲኦም መንግስታት ነቶም ክስታት ክምርምሩ እውን ፀዊዑ ኣሎ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ንዓለምለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕፅል ሰሙን ስልጣኑ ከሕድሰሉ ኣምነስቲ ፀዊዑ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ እቲ ኮሚሽን ብኹሎም ወገናት ሰፊሕ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ምፍፃሙ ዘርኢ መርትዖ ምርካቡን ኢትዮጵያን ኤርትራን ብናይ ኲናት ገበንን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ገበናት ፈፂመን ክኾና ይኽእላ እየን ክብል ከሲሱ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ ጸብጻቡ ከየውጽኣ ርኽበታቱን ምኽረ ሓሳቡን ከየፍለጠ ክተርፍ ዝሓለፈ ውሳነ ክስርዞ ኣምነስቲ ተማሕፂኑ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ምስ ኲናት ትግራይ ተኣሳሲሩ ንዝተፈፀሙ መግሃስታት ንምምርማር ዝግበሩ ዓለምለኸ ፃዕርታት ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሸምገለ ስምምዕ ሰላም ዘምፅኦም ምዕባለታት ኣብ ፀገም ዘውድቕ እዩ ክትብል ብተደጋጋሚ ነፂጋቶ እያ።

ኣብ መጀመሪያ እዚ ዓመት ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ መግሃስትታት መሰላት ፈፂሞም እዮም ንዝብል ክሲ "ፋንታዚያ" እዩ ክብሉ ነፂጎምዎ እዮም።

ስምምዕ ሰላም እንተተፈረመ እውን ናብ ትግራይ ሚዲያ ምእታው ድሩት ስለዝኾነ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ብነፃ ኣካል ንምርግጋፅ ኣፀጋሚ ገይሩዎ ይርከብ።

መንግስቲ ኤርትራ ጸኒሑ ኣብቲ ጉዳይ ምላሽ ሂቡ ኣሎ። ኣብቲ ብስም ሚሽን ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጽአ መግለጺ'ሞ ኣብ መራኸቢታት መንግስቲ ዝተሓትመ፡ ነቲ ዝወጽአ መግለዲ ምላሽ ንምሃብ ዘይኰነስ ኣብቲ “ክፍተት ኣለዎ” ዝበሎ ኣገባብ ኣተኣኻኽባ ሓበሬታ ተሪር ነቕፌታ ኣቐሚጡ ኣሎ። “ኣምኒስት ዝዀነ ጽጹይ መጽናዕቲ ኣብ ክንዲ ምግባር፡ ብርሑቕ መንነቶም ክገልጹ ንዘይደልዩ ውልቀሰባት ብዝሃቡዎ ዝንቡዕ ሓበሬታ ተመርኲሱ” ነቲ ጸብጻብ ኣዳልዩዎ ክብል እቲ መግለጺ ይነቅፍ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG