ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ወታደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይወፁ ምህላዎም ገሊጻ


ኣብ ጎኒ ወታደራት ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ንመራሕቲ ክልል ትግራይ ይህዳኑ ዝነበሩ ወታደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምውፃእ ምጅማሮም ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ገሊፆም። ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኤርትራዊያን ካብ ትግራይ ''ሕዚ ምውፃእ ጀሚሮም ኣለው'' ወታደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ''ንዶብ ኣብ ምሕላው ይርከቡ'' ኢሉ ኣሎ።

በዝሒ ካብ ትግራይ ይወፁ ዘለው ወታደራት ኤርትራ ክንደይ ከምዝኾኑ ንፁር ኣይኮነን፤ገለ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ግን ኤርትራዊያን ብፍፁም ኣይወፁን ይብሉ። ናይቲ ክልል መራሕቲ ወታደራት ኤርትራ ሓል ሓሊፉ ናይ ኢትዮጵያ ወታደራዊ ኽዳን ይኽደኑ እዮም ክብሉ ይኸሱ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሕዳር ዝጀምረ ኵናት ትግራይ ጠጠው ክተብሎ ዝለዓለ ድፊኢት ገጢሙዋ ኣሎ።ይህደኑ ዘለው መራሕቲ ህወሓት ንስልጣን ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍልጦ ኣይህቡዎን።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኤርትራዊያን ካብ ትግራይ ክወፁ ተሰማሚዖም ኢሎም ድሕሪ ምግላፆም ናይ G-7 ጉጅለ ብቑጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ናይ ኤርትራ ወታደራት ‘'ብቕልጡፍ፣ብዘይቅድመ ኩነትን ብዝረጋገፅን’’ ኣገባብ ካብ ትግራይ ክወፁ ብምፅዋዕ ዝሓለፍ ዓርቢ መግለፂ ኣውፂኦም እዮም።

እቲ መግለፂ ብተወሳኺ ‘’ንትግራይ ሓዊሱ ብኩሎም ኢትዮጵያዊያን ተቐባልነት ናብ ዘለዎ ተኣማኒ ምርጫን ንቕድሚት ናብ ሃገራዊ ዕርቂ ዘምርሕ ግልፂን ንኹሉ ዝሓቖፈን ፖለቲካዊ መስርሕ ክተኣታቶ’'ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

International Crisis Group ዝተብሃለ ጉጅለ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብዘውፅኦ ትንተና ኣብ ትግራይ ሱር ዝሰደደ ምክልኻልን ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ይህደኑ ዘለው መራሕቲ ትግራይ ካብ ስልጣን ንምውጋድ ምስ ምውሳኖምን ተደሚሩ ዝተናውሐ ኵናት ሓደጋ ከምዘስዕብ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ‘’እዚ ድማ ንትግራይ የዕኑ ከምኡ እውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣገዳሲት ንዝኾነ ኢትዮጵያ ኣዚዩ ዝጎድእ እዩ’’ ይብል እቲ ትንተና።

ኣብቲ ኵናት ህልቂትን ብአስገዳድ ምድፋር ደቂ ኣንስትዮን ዝኣመሰሉ ጭካነ ዝተመልኦ ጭፍጨፋታት ብዝምልከት ፀብፃባት ምውፅኦም ይውስኽ ኣሎ።ካብ 110 ሚሊዮን በዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሽድሽተ ሚሊዮን ህዝብ ንዝነብረላ ትራግይ ሕፅረት ምግብን ክንክን ጥዕናን ዘተሓሳስብ እናኾነ ይመፅእ ኣሎ።

ዩናይትድ ስቴትስ ንገሊኦም ኣብ ትግራይ ይፍፀሙ ዘለው መግሃስትታት ናይ ዘርኢ ምፅናትክትብል ገሊፃቶ ኣላ። ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ነቲ ኽሲ መሰረት ዘይብሉ ክብሉ ነፂጎምዎ ኣለው።

XS
SM
MD
LG