ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ኤርትራ ሓረስቶት ትግራይ ብምጭዋይን እንስሳታት ብምውሳድን ይኽሰሱ፡ መንግስቲ ነቲ ክሲ ይነጽግ


ድሕሪ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ፡ ካብ መሬት ትግራይ መሊኦም ከም ዘይወጽኡ ዝተገልጹ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ዶባት ንዝርከቡ ሓረስቶት ጨውዮም፡ እንስሳታቶም’ውን ከም ዝወሰዱ፡ ንሓደ መጽናዕቲ ብምውካስ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ። እቲ ብሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያን መሻርኽቲ ኣካላትን ሕቡራት ሃገራት ከም ዝተገብረ ዝተመልከተ ዳህሳስ፡ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውባ ክልተ ወረዳታት ከም ዝተፈጸመ ይሕብር።

ኣብቲ ሰለስተ ግዜ ከም ዝተኻየደ ዝተገለጸ መጭወይቲ ሲቪላውያን ዜጋታት፡ ብድምሩ 14 ሓረስቶት ክውሰዱ እንከለዉ፡ ድምሩ ድማ ልዕሊ 150 እንስሳታት ከም ከብቲን-ጤለበጊዕን ምዝማተን የመልክት።

እቲ ጸብጻብ ኣብ ሓያሎ መዳውብቲ ዓድታት ገሊኡ ብኸፊል፡ ኣብ ካልእ ድማ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኤርትራ ምህላዉ ይጠቅስ። ሰራዊት ኤርትራ ንኽወጽእ በበይኑ ጻውዒታት ክቐርበሉ ምጽናሑ ይዝከር። ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ከባቢ ከም ዘየለዉ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ኣብቲ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ዝተሓተተ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ እቲ ክሲ “ሓሶት’ዩ፡” ክብል ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ኣብ ካልእ ምዕባለ፡ እቲ ጸብጻብ ኣብ ንኡስ-ወረዳታት ሽምቢሊና ኣዳመይቲን ምስ ጥሜት ተኣሳሲሩ 50 ሰባት ምማቶም ጠቒሱ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG