ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እታ ዲሞክራሲ ትብል ቃል ብዝኾነ ዓይነት ትሽረፍ ትትርጎም ስለ ዘላ መሸቀጢት'ያ ትኸውን ዘላ ይብሉ ገለ ኤርትራውያን ሙሁራት


"ውዱቅ ዝበሃል መንግስቲ ወይ ስርዓት ረብሓ ውሑዳት መራሕትን አርካናትን ዘቀድም ምስ ዝኸውን ንህዝቢ ካብ ጥምየት ሕማምን ድንቁርናን ዘየናግፍ ምስ ዝኸውን፣ ሃገር ንምዝመዛን ፅግዕተኝነትን ተምበርካኽነትን ዘሳጥሕ ወይ ዘቃልዕ ምስ ዝኸውን'ዩ" ክብሉ 3-ተ ሙሁራት ኤርትራውያን ተዛሪቦም።

"በዚ መለክዒ ኣብ ላዕለዋይ ፅፍሒ ዝርከቡ መራሕቲ ኤርትራ ብዘለዎም ሃፍትን ካብ ህዝቦም ንላዕሊ ዝረኸብዎ ሓለፋታትን አይክሰሱን'ዮም፣ ከም ኣብ ካልኦት ሃገራት ብሓሶት አሽመኒ ዘሪፈ ክብልዓካ ዝብሉ መራሕቲ የብልናን" ኢሎም።

ምስ ዝተፈላለዩ አረአእያን እምነትን ዘለዎም ሙሁራት ኤርትራውያን ብዝጀመርናዮ መደብ መሰረት ዝቐረቡ 3-ተ ሙሁራት ኤርትራውያን ፣ "ዲሞክራሲ ክበሃል ኸሎ ምስቲ ታሪኽናን ባህልናን ብዝኸይድ ስድራ-ቤታዊ ዝኾነ ኮማዊ ዝኾነ ሃገራዊ ዝኾነ ሓላፍነት ስለዘሎ እዚ ኹሉ አጠቃሊሉ ዝሕሉ ረብሓታት ክኸውን አለዎ" ክብሉ'ውን ተዛሪቦም።

ዶ/ር ምሕረትአብ ገብረሂወት ካብ ሽካጎ ፡ ዶ/ር ጴጥሮስ ስብሃቱ ካብ ካሊፎርንያ'ን ዶ/ር ተስፋይ አርዓዶም ካብ ቦስቶን'ን ከምዝበልዎ "ባህርያዊ ዝኾነ ፖሎቲካዊ መስርሕ ሒዙ ዝመፀ ኣብ ርጉእ ኩነታት ኣብ ቀፃልነት ዘለዎ ናይ ፖሎቲካ ምንቅስቃስ ዘየእትወካ ካብ ክስታት ተሰኪፍካ ትገብሮ ነገራት ነታ ሃገር ንሓዋሩ ፅቡቅ አይኮነን" ኢሎም።

ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራን ኩነታት ኤርትራን ብዝምልከት ርኢቶኦምን እምነቶምን ተዛሪቦም'ለው።

ቀዳማይ ክፍሊ ሎሚ ቀሩቡ ኔሩ። 2ይ ክፍሊ ኸአ ፅባሕ ክቀርብ'ዩ። ነቲ ቀዳማይ ክፋል ንምስምዑ ናብቲ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG