ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኤርትራ ሰላምን ሓድነትን ህዝቢ ንምሕላው እቲ ዝመሰሎ ስጉምታት ንኽወስድ ቁቡል'ዩ ይብሉ 3ተ ሙሁራት ኤርትራውያን


"ብሕልፊ ኣብቲ ኣብ 2000 ዓ.ም ዝራአይ ዝነበረ እቲ ትንታነታት ዝመፅእ ዝነበረ ኣብ ጋዜጣ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሰላም ንምዝራግ ኣብቲ ህዝቢ ዘሎ ሓድነት ንምዝራግ ዝኸይድ ዝነበረ ምንቅስቃስ ስለ ዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ ሽዑኡ ሓላፍነት ኔርዎ፣ ስለዚ እቲ ዝመስሎ ስጉምታት ንኽወስድ ቅቡል'ዩ" ክብሉ ዘዘራረብናዮም 3ተ ኤርትራውያን ሙሁራት ተዛሪቦም።

እቶም ሙሁራት አተሓሒዞም እቲ ኣብ ሳዋ ዘሎ ኩነታት መንእሰያት ብዝምልከት ዝበሃል ዘሎ ዘረባታት ነቲ አእምሮአዊ ኹናት ብረቂቅ አገባብ ነቲ ሰብ ንምስንባድ ዝካየድ ፈተነታት'ዩ ኢሎም።

"ውዱቅ ዝበሃል መንግስቲ ወይ ስርዓት ረብሓ ውሑዳት መራሕትን አርካናትን ዘቀድም ምስ ዝኸውን ንህዝቢ ካብ ጥምየት ሕማምን ድንቁርናን ዘየናግፍ ምስ ዝኸውን፣ ሃገር ንምዝመዛን ፅግዕተኝነትን ተምበርካኽነትን ዘሳጥሕ ወይ ዘቃልዕ ምስ ዝኸውን'ዩ" ክብሉ 3-ተ ሙሁራት ኤርትራውያን ተዛሪቦም።

"በዚ መለክዒ ኣብ ላዕለዋይ ፅፍሒ ዝርከቡ መራሕቲ ኤርትራ ብዘለዎም ሃፍትን ካብ ህዝቦም ንላዕሊ ዝረኸብዎ ሓለፋታትን አይክሰሱን'ዮም፣ ከም ኣብ ካልኦት ሃገራት ብሓሶት አሽመኒ ዘሪፈ ክብልዓካ ዝብሉ መራሕቲ የብልናን" ኢሎም።

ምስ ዝተፈላለዩ አረአእያን እምነትን ዘለዎም ሙሁራት ኤርትራውያን ብዝጀመርናዮ መደብ መሰረት ዝቐረቡ 3-ተ ሙሁራት ኤርትራውያን ፣ "ዲሞክራሲ ክበሃል ኸሎ ምስቲ ታሪኽናን ባህልናን ብዝኸይድ ስድራ-ቤታዊ ዝኾነ ኮማዊ ዝኾነ ሃገራዊ ዝኾነ ሓላፍነት ስለዘሎ እዚ ኹሉ አጠቃሊሉ ዝሕሉ ረብሓታት ክኸውን አለዎ" ክብሉ'ውን ተዛሪቦም።

ዶ/ር ምሕረትአብ ገብረሂወት ካብ ሽካጎ ፡ ዶ/ር ጴጥሮስ ስብሃቱ ካብ ካሊፎርንያ'ን ዶ/ር ተስፋይ አርዓዶም ካብ ቦስቶን'ን ከምዝበልዎ "ባህርያዊ ዝኾነ ፖሎቲካዊ መስርሕ ሒዙ ዝመፀ ኣብ ርጉእ ኩነታት ኣብ ቀፃልነት ዘለዎ ናይ ፖሎቲካ ምንቅስቃስ ዘየእትወካ ካብ ክስታት ተሰኪፍካ ትገብሮ ነገራት ነታ ሃገር ንሓዋሩ ፅቡቅ አይኮነን" ኢሎም።

ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራን ኩነታት ኤርትራን ብዝምልከት ርኢቶኦምን እምነቶምን ተዛሪቦም'ለው።

ትማሊ ቀዳማይ ክፍሊ ቀሩቡ ኔሩ። ሎሚ ኸአ 2ይ ክፍሊ ቀሪቡ'ሎ'። ንምስምዑ ናብቲ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG