ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ህላወ ስምርቲ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ዓቢይ ረብሓ`ዩ` ምላሽ መንግስቲ ኤርትራ


መንግስቲ ኤርትራ ምስ ዝተፈላለዩ ተቃወምቲ ሓይልታት ብምትሕብባር ሰላምን ጸጥታን ኢትዮጵያ ንምዝራግ ኢዱ የተኣታቱ'ሎ፣ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘውጽኦ ክሲ ኣመልኪቱ መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ 21 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣እቲ ጠንቂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ህዝብታት ብብሄር፣ብክልል ክመሓደርን ክሳብ ናይ ምንጻል ዘፍቅድ ኣንቀጽ ዝፈጠሮ ከምዝኾነ ገሊጹ`ሎ።

“ሕጂ`ውን ድልየት ህዝብን መንግስትን ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኮይና፡ ስምርትን ብልጽግትን ጎረቤት ክትከውን ደኣ እምበር፡ ድኽምትን ዝተኸፋፈለትን ሃገር ክተከውን ኣይኮነትን” ዝበለ እቲ መግለጺ “ ካብ ልዑል ርእሰ-ምትእምማን ዝመንጨወ ስትራተጂያዊ ኣጠማምታ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ፡ ህላወ ስምርቲ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ዓቢይ ረብሓ ምዃኑ እዩ ዝኣምን” ብምባል ፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተዓዋቲ`ዩ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

`ህላወ ስምርቲ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ዓቢይ ረብሓ`ዩ` ምላሽ መንግስቲ ኤርትራ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:32 0:00

XS
SM
MD
LG