ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ 'ሽግራብ ከሰላ፡ጸበባና በዚሑ'ሎ' ይብሉ ኤርትራዊያን ስደተኛታት


ስደተኛታት ኣብ መዓስከር
ስደተኛታት ኣብ መዓስከር

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሽግራብ ከሰላ ሱዳን ዝሰፈሩ ኤርትራዊያን ኣብ’ዚ ቅነ’ዚ ካብ ‘ራሻይዳ’ ኢሎም ዝገልፅዎም ተፃባእቲ ሓያል ጥቅዓትን ብድሆን ኣጋጢምዎም ከምዝነበረን እቲ ፀገም መሊኡ ከምዘይተፈትሐን ይዛረቡ።

ኣብ’ዚ ቅነ’ዚ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ‘ራሻይዳን’ ዝተፈጥረ ግጭት ብርክት ዝበሉ ኤርትራዊያን ካብ’ቲ ከባቢ ክስወሩ ጠንቂ ኮይኑ ኣሎ ይብሉ ናይ ሎሚ ኣጋይሽ።

ድሕነተን ዘየተኣማምና ጀላቡ ኣብ ምስጋር’ቶም ስደተኛታት ኣብ ጥቅሚ እናዋዓላ ብርክት ዝበሉ ኤርታራዊያን ይሞቱና ስለዘለው ኢልና ምስ’ቶም ‘ራሻይዳ’ ተላቲምና ዝብሉ እቶም ኣጋይሽ ኩነታቶም ኣዝዩ ኣስጋኢ ኮይኑ ኣሎ’ውን ይብሉ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:10:39 0:00

XS
SM
MD
LG