ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብአማእት ዝቁፀሩ ኣብ ምድረ-በዳ ሲና ተታሒዞም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ እስራኤል ከም ዝአተው ይንገር'ሎ


እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሕዳር ካብ ዝአቱ ንነጀው ልዕሊ 1400 ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ብምድረ-በዳ ሲና አቢሎም ናብ እስራኤል ከምዝአተው ይግለፅ'ሎ።

ብፍላይ 611 ኤርትራውያን ካብ ዝተታሕዝዎ ተለቂቆም ናብ እስራኤል ከምዝአተው ኣብዚ ሰሙን'ዚ ይስማዕ'ሎ።

ኣብ እስራኤል ወኪል ኤርትራውያን ስደተኛታት ደለይቲ ዑቁባ ሃይለ መንግስተብ እቶም በደዊን ንሓድሕዶም ስለ ዝተዋግኡ እቶም ተታሒዞም ዝነበሩ ኤርትራውያን ኸምልጡ ኺኢሎም ዝብል ሓበሬታ'ሎ ኢሉ።

ኣብ እስራኤል ሃት ላይን ንወፃእተኛ ሰራሕተኛታት ናይ ዝተባህለ ንመሰል ወፃእተኛ ሰራሕተኛታት ዝሕለቅ ዘይመንግስታዊ ጉጅለ አተሓባባሪት ህዝባዊ ፖሊሲ ሲጋል ሮዘን ብወገነን እዚ ምስቲ ዝረአ ዘሎ ብምንፅፃር ዝሰማማዕ ይመስል ኢለን።

ሚስ ሲጋል ሮዘን ከምዝበለኦ ኣብ ግብፅን ከባቢኡ ካብ ዘለው ምንጭታተን ብዝረኸበኦ ሓበሬታ መሰረት እቶም በደዊን ንሓድሕዶም ስለ ዝተዋግኡ እቶም ተታሒዞም ዝነበሩ ኤርትራውያን ኸምልጡ ኺኢሎም ዝብል ምኻኑ ገሊፀን። ምስቲ ክሳብ ሎሚ ንወርሒ 300 ዝኾኑ ሰደተኛታት ናብ እስራኤል ክአትው ምፅንሖም አነፃፂርካ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልታት 970 ሰባት ካብ በረኻ ሲና ናብ እስራኤል ምእታዎም ቤት-ፅሕፈት ኢሚግሬሽን እስራኤል ዘውፅኦ መግለፂ ብምንፅፃር እዚ ዝውረ ዘሎ ልክዕ ይመስል ኢለን።

ንመሰል ውሑዳንን ሰደተኛታትን ዝሕለቅ ኣብ ኤውሮጳ ናይ ዝመደብሩ ኤቭሪዋንግሩፕ ዝተባህለ ዓለም-ለኸ ጉጀለ ሓደ ካብቶም ክልተ ፕረዚደንቱ ዝኾኑ ሚስተር ማትዮ ፔጎራሮ ብወገኑ ከምዝበሎ ኣብ ግብፅን ከባቢኡ ካብ ዘለው ምንጭታቶም ብዝረኸብዎ ሓበሬታ መሰረት ሓደ ነገድ በደዊን ነቲ ሓድ አጥቂዑ በዚ ኸአ እቶም ተታሒዞም ዝነበሩ ኤርትራውያን ኽልቀቁ ኺኢሎም ኢሉ።

ሚስተር ማትዮ ፔጎራሮ ወሲኹ ካብቶም ውሽጣዊ አካላት ሰብ አብ ምሻጥ ዝተዋፈሩ ቀንዲ ሓደገኛታት ዝኾኑ በደዊን ኽልተ ኸምዝተቀትሉ ዝተረጋገፀ ሓበሬታ አለና ኢሉ'ሎ።

ኣብ ሮማ ጣልያን ናይ ዝመደብሩ ኤጀንስያ ሓበሻ መስራትን ሓላፊ ኣባ ሙሴ ዘርአይ ብወገኖም ፣ ብርግፅ እዚ ዝተባህለ ቁፅሪ ዘለዎም ኤርትራውያን ናብ እስራኤል ምእታዎም ካብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት ሰሚዔ'ለኹ፣ ግን እዞም ሰባት ኣብ ሲና ተታሒዞም ዝነበሩ ድዮም ወይስ ሓደስቲ ዝመፁ ገና አይተፈልጠን ዘሎ ኢሎም።

ኣብ እስራኤል ዝርከብ ቤት-ዕሕፈት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ብወገኑ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ 1400 ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ'ዚ ክልተ ሰሙን ናብ እስራኤል ከምዝአተው ግን ገና ስለዘየዘራረቦም ካበይን ብኸመይን ከምዝመፁ መረጋገፂ ክህበና ከምዘክእል ገሊፁልና'ሎ።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG