ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገና ኣብ ራዕዲ ኢና ዘለና -፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ


ኣብ ኢትዮጵያ ክሊ ትግራይ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ገና ኣብ ፍርሂ ኢና ዘለና ክብሉ ገሊፆም።

ንድምፂ ኣሜሪካ ዝተዛረቡ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሰደተኛታት ካብ ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓርሺን መዓስከር ስደተኛታት ከም ዝተአስሩ'ውን ተዛሪቦም።

ነቲ ጉዳይ ስደተኛታት ብቀረባ ትከታተሎ ዘላ ተሓላቂት ሰደተኛታት ሜሮን እስቲፋኖስ ካብ ሽወደን እቶም ስደተኛታት ሕቶኦም ሰላማዊን መሰል ስደተኛ ክኽበረሎምን መምርሒታት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስትስት ክንበበሎምን ምኻኑ ከም ዘስመሩ ብምግላፅ ግን ካልእ ፖሎቲካዊ መልክዕ ይውሃቦ'ሎ ዝብል ስግኣት ከምዘለዎምን ርድኡና ዝብል ምኻኑ ጠቂሳ እቲ ኩነታት ናብ ካልእ ከየምርሕ ተማሕፂና'ላ።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት ወሃቢ ቃል አቶ ክሱት ገብረእግዚአብሄር ብወገኑ ትካሎም ብሰንኪቲ'ቲ ዘሎ ዕግርግር ናብኡ ከይዱ ክርኢ ከምዘይከአለ ብምግላፅ ግን ገለ ስደተኛታት ኣእማን ብምድርባይ መጥቃዕቲ ፈፂሞም ብስንኪ'ዚ እቲ ዘይምርግጋእ ተፈጢሩ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ከም ዘረጋገፁን ካልኦት ዝቆሰሉ ከምዝዘለውን መርመራ ክግበር ሓቲቶም ከም ዘለው ገሊፆም።

ሙሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ ነቲ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።
TIG-Eritrean-Refugees
please wait

No media source currently available

0:00 0:23:37 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG