ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድምፅና ይሰማዕ -፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት


ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ነቶም ኣብ ባሕሪ ሜደትርያንያን ዝሰጠሙ ኤርትራውያን ንምዝካር ኣብ ዝተኣከብሉ እዋን ማሕበረሰብ ዓለም ቆላሕታ ክህቦም ዝፅውዕ ሰልፊ ኣካይዶም፡፡

ኣብቲ እዋን'ቲ ሰልፊ ሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ ተኩሲ ከፊቶም ብውሑዱ ሓደ ስደተኛ ተቀቲሉ ካልኦት ብዉሑዱ 5 ሰባት ቆሲሎም ክብሉ'ውን እቶም ሰደተኛታት ንቪኦአ ገሊፆም።

ጠንቂ ጥፍእት'ቶም ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ዝሓልቁ ዘለው የሕዋትና ኤርትራውያን ኣብ መዓስከር ሰደተኛታት ኢትዮጵያ'ዩ ክብሉ'ውን ኣማሪሮም።

ካብ መቐለ ግርማይ ገብሩ ዝለኣኾ ፀብፃብን ምስ ስደተኛታት ዝተገብረን ቃለ-መጠይቅ ንምስማዕ ነቲ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።
TIG-Eritrean-Refugees
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:51 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG