ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ፡ 27 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ጽዒና ናብ ሱዳን ትጉዓዝ ዝነበረት መኪና ኣብ ከባቢ ጎንደር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዋ ተሓቢሩ


እቶም 27 ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ኤርትራ ሲሚንቶ ጽዒና ትጉዓዝ ዘላ ብምምሳል ናብ ሱዳን ትጉዓዝ ዝነበረት መኪና ኣብ ጎንደር ምትሓዛ ተገሊጹ።

እዛ ካብ ማይጸብሪ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራዊያን ከምዝተበገሰት ዝተገልጸ ኤፍ ኤስ አር ዝተባህለት መኪና ኮንቴይነር ብምጽዓን ተላሒሙ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ልዕሊኡ ሰሚንቶ ከምዝጸዓና ክመስል ከምዝተገብረ ኣብ ምምሕዳር ፖሊስ ጎንደር ምኽትል ኮማንደር አያና ሹምየ ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣምሓርኛ ገሊጾም።

ምኽትል ኮማንደር አያና ሹምየ ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዘይተለምደ ኹነት ካብቲ ብኮንቴነር ተዓፊኖም ዝኸድዎ ዝነበረ ብዝተፈልየ መልክዑ’ዩ እዚ ናይ ሕጂ ተዳልዩ ክብሉ ገሊጾም።

እቶም ስደተኛታት ካብ ማይ ጸብሪ መዓስከር ስደተኛታት ከምዝተበገሱን ንነፍሲ ወከፍ ገንዘብ ከምዝኸፈሉን ናብ ዶብ ሱዳን ክበጽሑ ይጉዓዙ ከምዝነበረ ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG