ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ዝተዓቖብሉ ካምፕታት እንታይ ተፈፀመ?


ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ክበፅሑ ካብ ውግእ፣ፈተነ መጭወይቲ ካብ መጥቓዕቲ ዝተቖጥዑ ሚሊሽያታትን ብዘይካ ቆፅሊ ሞሪንጋ ዋላ ሓደ ዝብላዕ ነገር ከይሓዙ ናይ ማዕልታት እግሪ ጉዕዞ ሓሊፎም።

ሕዚ እውን እንተኾነ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካይድዎ ዘለው ደማዊ ግጭት ክሳብ ዘብቅዕ ስቅያቶም ገና እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኣብይን ክልላዊ ገዛኢ ፓርቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ሕዳር ውግእ ቅድሚ ምልዓሉ ኣስታት 100,0000 ስደተኛታት ብዓፋኒን ውልቀመላኽን ካብ እትምራሕ ሃገር ካብ ኤርትራ መፂኦም ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ኣርባዕተ መዕቖቢ ስደተኛታት ዝተመዝገቡ እዮም።

ካብቶም ካምፕታት ክልቲኦም ሕፃፅን ሺመልባን ሕዚ እውን ብናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታትን መዘንኡ ኤጀንሲ ጉዳያት ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያን ክብፅሑ ኣይክኣሉን።

ክፍተት ሓበሬታ ኩነታት እቶም ስደተኛታት ብዝምልከት ከቢድ ግምት ኣስዒቡ ኣሎ።

ሕቡራት መንግስታት ብወታደራት ኤርትራ ዒላማ ዝተገበሩ ቕተልታትን መጭወይትንብዝምልከት ደወል ኣስሚዑ ኣሎ።ኣብቲ ግጭት ታራ ወታደራት ኤርትራ ብሰፊሕ ዝተሰነደኳ እንተኾነ ሰበስልጣን ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ኣሉ ምባሎም ቀፂሎም ኣለው።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ንእሙናት ምንጫታት ብምጥቃስ ኣብቶም መዕቖቢ ስደተኛታት ስርቅን ፆታዊ ዓመፅን ከምዝተፈፀመ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊፁ ኣሎ።

እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር ናብ ኢትዮጵያ ንፈለማ ግዜ ዝገሹ ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ፍሊፖ ግራኒድ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማይ ዓይኒ ዑደት ፈፂሞ ኣለው።ማይ ዓይኒ ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከቡ ክልተ ካምፕታት ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት መሊሱ ክበፅሖም ካብ ዝኽኣሉ መዕቖቢ ስደተኛታት ሓደ እዩ።

ሕዚ እቲ ካምፕ መንበሪ ካብ ሕፃፅ ዝመፁ ኣማእቲ ስደተኛታት እውን ኮይኑ ኣሎ።ገሊኦም ኣብ ሕፃፅ ገዲፎምዎ ዝመፁ ሰቐቐን ንAFP ተዛሪቦም ኣለው።

‘’ኣብዚ ካምፕዚ እንተደሊኻ መብዛሕቲኦም ሰባት ብዛዕባ ዝተፈፀመ ነገር ክዛረቡ ከለው ብኽያት ይጅምሩ’'ይብል ግርማይ ዝተባሃለ ስደተኛ።ግርማይ ከምቶም ካልኦት ስደተኛታት ናይ ሒነ ምፍዳይ ስጉምቲ ከይውሰዶም ብምስጋእ ሽም ኣብኦም ከይሓወሱ ዝዛረቡ ካልኦት ስደተኛታት እዩ።

‘’መሓዙትና ብህወይት ክህልው ይኽእሉ፤ሞይቶም እውን ክኾኑ ይኽእሉ።ኣይንፈልጥን’'በለ ብምቕፃል።

ሓላፊ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካላ ደተኛታት ፍሊፖ ግራንዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይን ካልኦት ሰበስልጣን ንኤርትራዊያን ስደተኛታት ክሕልው ፀቕጢ ከምዝገበሩሎም ገሊፆም ኣለው።በቲ ግጭት ምኽኒያት ወይ ብሓይሊ ወይ ብስግኣት ፈቖዶ ዝተበተኑ ስደተኛታት ክረኽቡዎምን ድሕንነቶም ከረጋግፁን ኣተሓሳሲቦምዎም ኣለው። ናይ ትግራይ ሰብኣዊ ኩነታት ብድምር ‘’ኣዚዩ ሕማቕ እዩ’’ ክብሉ ብምድጋም ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ተፈፂሞም ዝብሃሉ መግሃስቲታት ሰብኣዊ መሰላት ግልፂ ምርመራ ከካየዱ ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ፃውኢት ኣህቅሪቦም ኣለው።

ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ምግቢ፣መድሓኒትን ካልኦት ቀረባትን ናብ ትግራይ ክኣቲ ብቅልጡፍ ምቕራቡ ከረጋግፅ ግራንዲ ፀዊዖኦም።

ምስ ግራንዲ ናብ ትግራይ ዝተጉዓዛ ናይ ኢትዮጵያ ምንስቴር ሰላም ሙፈሪያት ካሚል ኣብቲ ክልል ቕልጡፍ ሓገዝን እግሪ ምትካልን ንዝመርሕ ግብረ ሓይሊ ይመርሓ።ትማሊ ረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ፌደራል መንግስቲ ዓብይ መጠን ዘለዎ እኽልን ካልኦት ኣድለይቲ ቀረባትን የቕርብ ኣሎ ኢለን። ንኣዴታትን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃንውትን ቀዳምነት ከምዝውሃብ እውን ሓቢረን።መንግስቲ ንኤጀንስታት ሕቡራት መንግስታትን ዘይመንግስታዊ ውድባትን ኣድላይ ኣቑሑትን ኣገልግሎትን ከቕርቡ የተሓባብር ኣሎ ክብላ ወሲኸን ገሊፀን።

ዋና ፀሓፊ ናይ ኖርወይ ረፊጂ ካውንስል ጃን ኤግላንድ ክንድቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ግብረመልሲ ብከምዚ ዕንቅፋት ክፍጠር ልሙድ ኣይኮነን ክብሉ ዝሓለፈ ሶኑይ መረረቶም ገሊፆም ኣለው።ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዲና ሙፍቲ ብቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ውሱን ሰብኣዊ ረድኤት እዩ ዝኣቲ ዘሎ ንዝብል ዝተጋነነ እዩ ኢሎም ኣለው።

ህወሓት ንናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ንኣስታት ሰላሳ ዓመታት ዓብሊሉዎ እዩ።ኢትዮጵያን ኤርትራን ዓሰረታት ኣሽሓት ዝቐተለ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣ\ፈ ናይ ዶብ ኵናት ከካይዳ ከለዋ ህወሓት ኣብ ስልጣን ነይሩ።ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራትንዕስራ ዓመታት ደውታ ኣብ ዝተፈጥረሉ እዋን እውን ዓብላሊ ነይሩ።

ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ኣ\ፈ ስልጣን ምስ ሓዙ ምስ ናይ ኤርትራ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምቅርራባ ኣበግሲኦም።እዚ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናይ ኖብል ሰላም ሽልማት ኣርኪቡሎም።

ፕሬዝዳንት ኢሳያስን ምስ ኤርትራ ንዘዳቡ ከልል ዝመርሕ ህወሓትን መሪር ፅልኦም ቀፂሉ።እዚ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ሓደጋ ልዕል ዘበለ እዩ።

እቲ ውግእ ኣብ ምወዳእታ ሕዳር ኣብ ሕፃፅ ምስ በፅሐ ደገፍቲ ሚሊሽያ ህወሓት ምስ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ዓውዲ ኵናት ንዝወረዶም ኪሳራ ብሒነ ንስደተናታት ከምዝቐተሉ ብዙሓት ስደተኛታት ንAFP ተዛሪቦም ኣለው።

ኣብ ሓደ ንጉሆ እቶም ዕጡቓት ካብ ቤተ ክርስቲያን ወፃኢ ንትሽዓተ ኤርትራዊያን መናእሰይ ቀቲሎም ይብሉ።

ካብ ሕፃፅ ወፃኢ ዶኪኖም ዝነበሩ ሓይልታት ደገፍቲ ህወሃት ዝጠመዩ ነበርቲ ምግቢ ከይረኽቡ ንሰሙናት ብምኽልካል ከምልጡ ንምውፃእ ዝፈተኑ ድማ ብዙሓት ተትኵሱዎም ከምዝተቐተሉ ወሲኮም ገሊፆም።

‘’ፈለማ ክንኣምን ኣይክኣልናን ምኽኒያቱ ተመሳሳሊ ቋንቋ ኢና ንዛረብ’’ይብል ግርማይ ብዛዕባ ሓይልታት ደገፍቲ ህወሓት ክዛረብ ከሎ።’'ቀደም ኣዕርኹትና ነይሮም ብሃንደበት መፂኦም ቀቲሎም’’በለ።

ወታደራት ኤርትራ መግሃስቲ ፈፂሞም እዮም ይብሉ እቶም ስደተኛታት።ንዓሰረተታት ሰባት ምናልባሽ እውን ካብኡ ንላዕሊ ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ከምዝወሰዱዎም ወሲኾም ይሕብሩ።

‘’ወታደራት ኤርትራ ንገሊኦም ብምሓዝ ክሓቱዎም ጀሚሮም።ኣነ 26 ወይ 27 ሰባት ቆፀረ’'ኢሉ ሓደ ስደተኛ።’’ብፅባሒቱ ናብ ካሊእ ቦታ ወሲዶምዎም። ኣበይ ከምዝኣተው ኣይንፈልጥን’’ኢሉ።

ብዙሓት ስደተኛታት ካብ ኤርትራ ዝተሰደዱ ብግዲ ካብ ዝውሃብ ሃገራዊ ኣገልግሎይት ንምምላጥ እዩ።ናብታ ገሊኦም ቅሉዕ ቤት ማእሰርቲ ኢሎም ዝገልፁዋ ሃገር ተመሊሶም ናብ ኣገልግሎት ክምለሱ ከይግደዱ እዮም ዝዓበየ ስግኣቶም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ መግሃስቲ ይምርምሮ ከምዘሎን ኣብ ሕፃፅ ዝነበሩ ኩሎም ናብቲ ቅድሚ ግጭት ዝነበረ በዝሒ ህዝቢ ማለት እውን ናብ ኣስታት 11,000 ዝግመት ንምምላስ ከምዝፍትን ፈፃሚ ዳይረክተር ኤጀንሲ ጉዳያት ስደተኛታትን ተመለስቲን ተስፋሁን ጎበዛይ ይገልዝቱ።

‘’ኤርትራዊያን ወታደራት ንኤርትራዊያን ስደተኛታት ወሲዶም ዝብሃል ጥሉል መርትዖ ኣይረኸብናን’’ኢሎም ተስፍኣለም ን AFP ከምዝገለፁዎ።

ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ጀመሪያ ወርሒ ንሕፃፅ ተቖፃፂሮም ኣብቲ ካምፕ ንዝተረፉ ስደተኛታት ንክወፁ ኣገዲዶምዎ ይብሃል።

‘’ ክንቐትለኩም ኢና ኢሎም ኣፈራርሖምና፤ሰባት ሰጊኦም’’ ኢሉ ሕዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብን ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየን ስደተኛ።

ኣስታት 3,0000 ስደተኛታት ሕፃፅን ክብፃሕ ዘይኽእል ሽመልባን ብእግሪ ተጓዒዞም ብዘይ ማይ ቆፅሊ እናበልዑ ኣብ ክልተ ካምፕታት ኣትዮም ኣለው።

ኣብ ማይ ዓይኒ ሓደሽቲ በፃሕቲ ፅሩይ ዝስተ ማይን ዝድቅስሉ ቦታ ከምዘይብሎም ይገልፁ።

ዝዓበየ ስግኣቶም ግን ድሕነቶም እዩ።ሰፊሕ ናይ ፌደራል ወታደር ኣብቲ ከባቢ እንተሃለወ እውን ሚሊሽያታት ደገፍቲ ህወሓት ነቲ ካምፕ ከጥቕዑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

‘’ኣብዚ ከመይ ገይሩ ድሕነት ክስምዐኒ፧ ይብል ካብ ብቆልዕኡ ጀሚሩ ኣብ ማይ ዓይኒ ዝነብር ናትናኤል።ኣስዕብ ኣቢሉ’’ብዙሓት ምልሺያታት ኣብዙሪያ እቲ ካምፕ ኣለው’’ይብል።

ተስፋኣለም መሰረታዊ ዝኾኑ ኣገልግሎታት ኣብ ምምላእ ምዕባለ ከምዘሎ ይገልፁ።

እቶም መዕቖቢ ስደተኛታት ውሑሳት እዮም ይብሉ ብምውሳኽ ‘’ዋላኳ ድሕነት ካብ ክ ውንነት ዝበዝሕ ገፁ ስምዒት እዩ።እቲ ሓቂ ካሊእ ኮይኑ ድሕነት ዘይክስምዖም ይኽእል እዩ’' ይብልይ ብምውሳኽ።

እቶም ካብ ርክብ ወፃኢ ኮይኖም ዘለው ክልተ ካምፕታት ንቕድሚት ዝርአ እዩ።

ናይ ሳተላይት ምስልታት ከምዘርእይዎ ንምዕናው ዝተገብረ ወፍሪ ብዝመስል ኣብ ክልቲኦም መዕቖቢ ስደተኛታት ሰፊሕ ጉድኣት ወሪዱዎም ኣሎ ብመሰረት ኣብ ብሪታኒያ ዝመደብሩ DX Open Network ዝተባሃለ ትካል።

‘’እዞም መዕቖቢ ስደተኛታት ናይ በሰብኣውነት ሓለዋ ክግበረሎም ዝግብኡኳ እንተነበሩ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ክልቲኦም ካምፕታት ኮነ ተባሂሉ ዒላማ ኮይኖም እዮም’’ ይብል እቲ ትካል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ።

ቅድሚ እቲ ግጭት መንግስቲ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ንዞም ናይ ሰሜን ካምፕታት ብምውጋድ ንቶም ስደተኛታት ናብ ካሊእ ንምግዓዝ ብግልፂ ይገልፅ ነይሩ።

እቲ ትልሚ ብህወሓት ተጠሊፉ ዝበሉ ተስፍኣለም ሕዚ ግን ዳግም ክጅምር እዩ ኢሎም።

ብድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG