ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊያን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ካልፎርኒያን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም


ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ኩነታት ስለዝሓዘንኩ ድምፀይ ከስምዕ መፂአ ኣለኹ ዝበለትና ካብ ሚሪላንድ ዝመፀት ወ/ሮ ፀጋ ተኽለ ኣብ ኤርትራ ይበፅሕ ዘሎ መግሃስቲ ድምፆም ከስምዑ ንዘየኽእሉ ኣብ ክንድኦም ድምፃ ንምስማዕ ከምዝመፀት ትገልፅ።

ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ኤሪትራዊያን ኣብ ኤርትራ ይበፅሕ ኣሎ ዝበልዎ ዓፈና ንምቅዋም ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርኒያን ናይ ተቓውሞ ኣካይዶም።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡መሪላንድን ቨርጂኒያን ከምኡ’ውን ካብ ካልኦት ስቴታት ዝመፁ ኤሪትራዊያን ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ፊት ንፊት ኤምባሲ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኖም ተቓውምኦም ከስምዑ ኣርፊዶም።

እቶም ሰልፈኛታት ናይ 20 ዓመታት ውልቀመላኽነት ይኣክል፡ዕቑባ ንስዱዳት ይፈቐድ ዝብሉ ጭርሖታት ብምሓዝ ኣብ ኤርትራ ይበፅሕ ኣሎ ዝበልዎ ዓፈናን ስቓይን ድምፆም ከስምዑ ውዒሎም።

ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ከምዝመፀ ዝገለፀለይ ሙሴ ገብረ ዝተብሃለ ተሳታፊ እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ኤርትራ ይበፅሕ ኣሎ ዝበሎ ስቓይን ማእሰርትን ንምቅዋምን ማሕበረሰብ ዓለም ድምፆም ሰሚዑ ናይ ኤርትራ ሽግር መፍትሒ ንኽህበሉን ንምሕታትት ከምዝመፀ ይገልፅ።

ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ኩነታት ስለዝሓዘንኩ ድምፀይ ከስምዕ መፂአ ኣለኹ ዝበለትና ካብ ሚሪላንድ ዝመፀት ወ/ሮ ፀጋ ተኽለ ኣብ ኤርትራ ይበፅሕ ዘሎ መግሃስቲ ድምፆም ከስምዑ ንዘየኽእሉ ኣብ ክንድኦም ድምፃ ንምስማዕ ከምዝመፀት ትገልፅ።

ናብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ብምኻድ ንብዙሓት መንእሰያት ኤርትራ ጠንቂ ዝኾነ ዝበሎ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሽግር ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መዕለቢኡ ንኽበፅሕን ብዛዕባ ሚዛናውነት ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካን ዝምልከቱ ካብቶም ዘቕርቡዎም ናይ ፅሑፍ ሕቶታት ገሊኦም ምዃኖም ካብቶም ናይቲ ተቓውሞ ሰልፊ ኣተሓባበርቲ ሓደ ዝኾነ መንእሰይ በረኸት ሃብተማሪያም ገሊፁለይ ኣሎ።

እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ብዝርከቡ ፖለቲካውን ስቪካዊያንን ማሕበራት ከምዝተዳለወ ካብቶም ኣተሓባበርቲ ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ብኻሊእ ወገን ድማ ኣብ ግዝኣት ካሊፎርኒያ’ውን ብማሕበር መንእሰያት ኤርትራዊያን ንለውጢ ዝተብሃለ ማሕበር ዝተዳለወ ሰልፊ ይካየድ ከምዘሎ ሰሎሞን ገብረየሱስ ንተወልደ ወልደገብርኤል ገሊፅሉ’ሎ።

ኣብቲ ናይ ዋሽንተን ዲሲ ሰልፊ ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ኮይኖም ናይተቓውሞ ሰልፊ ኣብዘስምዕሉ ግዜ ልዕሊ 200 ሰልፈኛታት ተኻፊሎም ኣለው።ብዛዕባ እቶም ሰልፈኛታት ዝዘቕረብዎም ሕቶታት መልሲ ንምርካብ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ሰልኪ ደዊልና መልሲ ንምርካብ ኣይከኣልናን።

XS
SM
MD
LG