ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምትእኽኻብ ኤርትራዊያን ሰብ ሞያን ዋኒን ኣሜሪካ ናይ መጀመርያ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣቓኒዑ


ምትእኽኻብ ኤርትራዊያን ሰብ ሞያን ዋኒን (Eri-Pen) ምትእኽኻብ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ሰብሞያን ዋኒን ኮይኑ ኣብ ማህበራዊን ሞያዊን ጉዳያት ብዝምልከት ንምዝታይን ምልውዋጥ ተመክሮን ዝኻየደሉ መድረኽ’ዩ።

ኣብ መጋቢት 25,2017 ዓ.ም ኣብ ክፍለ ግዝኣት ቨርጅንያ ዘካየዶ ናይ መጀመርያ ኣኼባ ድማ ኣብ ጉዳያት ፋይናንሳዊ ሓገዝ ንትምህርትን መስርሕ መነባብሮ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ብዝምልከት ንክልተ አጋይሽ ብምዕዳም ተመክሮኦም ንተሳተፍቲ ኣኻፊሎም።

Besrat and Solomon
Besrat and Solomon

እቲ ምትእኽኻብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ወርሒ ዝኻየድ ምዃኑን ተሳተፍቲ ብወለንትኦም ኣብ ንሓድሕዶም ብምውዳብ ዝዳልውዎ ምኳኑን ኣብቲ ኣኼባ ዝዝተየሎም ወይ ዝለዓሉ ጉዳያት ድማ ካብ ተሳተፍቲ ብዝለዓሉ ኣርእስታት ዙርያ ምኳኖም ነቲ ፈላማይ ኣኼባ ዝወደቡ ይሕብሩ።

እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ዝተኻየደ አኼባ ካብ ዝወደቡ ሓንቲ ዝኾነት ወ/ሮ ብስራት ዮሴፍ ብዛዕባ ምውዳብ እቲ ኣኼባ፡መዛተይ ጉዳያትን ዕዱማት አጋይሽን ከምዚ ክትብል ተረድእ።

ብስራት ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ሰብ ሞያን ዋኒን ናብዚ ምትእኽኻብ ንክሳተፉ ንምዕዳምን ብዛዕባ እቲ ምትእኽኻብ ኣፍልጦ ንክህልዎም ዝወስድዎም ተበግሶታትን ዘጋጠሞም ብድሆ እንተሎ ሓቲተያ ከምዚ ኢላ ትምልስ።

ብዛዕባ እቲ ምትእኽኻብ ምስ ኣዳለውቲ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG