ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣማኻሪ ፕረዝደንት ኤርትራ ንጸብጻብ መሪማሪ ኮሚሽን አውጊዞም


ኣማኻሪ ፕረዝደንት ኤርትራ አቶ የማነ ገብረአብ - ፋይል
ኣማኻሪ ፕረዝደንት ኤርትራ አቶ የማነ ገብረአብ - ፋይል

አማኻሪ ፕረዝደንት ኤርትራ አቶ የማነ ገብረአብ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘ መርማሪ ኮሚሽን ሰብአዊ መሰላት ዘውጽኦ ጸብጻብ አውጊዞም።

አቶ የማነ ገብረአብ ምስ ብንጹር ናብ ሓደ ወገን ዘዳለዋ ፍልይቲ ራፖርተር ናብ ብርቱዕ ቛይቋ ምእታው ዋጋ የብሉን ክብሉ አብ ዝሓለፈ ሓሙስ 27 ጥቅምቲ ኣብ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ምዝራቦምን እቲ ጸብጻብ ፖለቲካዊ ትበግሶ ዘለዎ ድርብ መዓቀኒታት ዘሓዘ ብፍሉጥ ዝተገብረን እዩ ክብሉ ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንባይቶ ሕቡራት ሃገራት መደረ ዘስምዓ ፍልይቲ ራፖርተር ኣብ ጉዳይ ንሰብአዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሚስ ሸይላ ኪትሩት ብመራሕቲ ኤርትራ ተፈጺሙ ንዝተባህለ ገበናት ዝሰምዕ ሓደ ስርዓት ወይ መጋባእያ ወይ ቤት ፍርዲ ክምስረት ጸዊዔን።

እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ መርማሪ ኮሚሽን ጉዳይ ሰብአዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ኤርትራ ንልዕሊ 20 ዓመታት ገበናት አንጻር ሰብአዊነት ፈጺሞም ክብል ኣብ ዝሓለፈ ሶኑይ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ’ዩ።

ኤርትራዊያን ብዛዕባ’ዚ ጸብጻብ ዘለዎም ርእይቶ ዝተኸፋፈለ እዩ። ደገፍቲ መንግስቲ አቶ ሲራክ ባህልቢ ንቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሓዊሱ ንምዕራባዊያን ንምሕጋዝ ሚስ ሼላ ኪቱሩት ንኤርትራ ግዳይ ዝገበረ ክብሉ ኸለው ሓደ ካብ አሰናዳእቲ’ቲ ነቲ ሪፖርት ብምድጋፍ አብ ኔው ዮርክ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ዝኾኑ ኣቶ ጀማል አማን ድማ እቲ ጸብጻብ ሓቂ እዩ ክብሉ ምግላጾም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG